Tuesday , May 14 2024

መሰል ወዲ ሰብ።

ኣማኑኤል ሳህለ


ንምዃኑ ወድሰብ፡ መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ?
ወድ ሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን፡ እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ ወይ ጉጅለ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥርን ኪግልገለሉን ዝኸኣለ። ናይ መን መሰል? ናይ ባዕሉ መሰል። እቲ ንነብሱ መሰል ዝሃባ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ ማንም ከይትክፈኒ ይብል ነይሩ።

ሻማን ዚብሃሉ መራሕቲ ማሪታዊ ሃይማኖት ድማ፡ ረብሓ ስለ ዝነበሮም፡ እቲ መራሒ ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ ምሉእ ናይ ምንባርን ምግባትን ምዝራፍን ምእስራን ምቕታልን መሰል ከም ዘለዎ ገይሮም ንህዝቢ የእምኑ ነይሮም። በዝን ክንድዝን ድማ እቲ በዓልስልጣንን እቶም ካህናቱን ነቲ ህዝቢ ከም ዘይናቶም ብምርኣይ ከም እንስሳ ዘቤት ገይሮም ይመርሑዎ ነበሩ።


ኣብ ፍጥረት፡ ሓይሊ ደኣምበር መሰል ዚብሃል ነገር ዘሎ ኣይመስለንን። ግን ምናልባት እቲ በዓል ግዜ ወይ በዓል ስልጣን፡ ከምዚ እንተ ገበርካ ከምዚ ክትረክብ ኢኻ ይብለካ ነይሩ ይኸውን። ነቲ ንሱ ዚገብረልካ ድማ ከም መሰልካ ጌርካ ትወስዶ ኔርካ። ግን ንሱ ልዕሊ ሕጊ ስለ ዝኾነ፡ ውሕስነትሲ ኣይነበረካን። እቲ መሰልካስ ብልቓሕ ኢኻ ወሲድካዮ። ሓርገጽ፡ በሊዑ ምስ ጸገበ ኣብ ገምገም ርባ ኾይኑ ድማ ጸሓይ ይጽሎ። ኣብ ኣስናኑ ናይቲ ዝበልዖ ስጋ ተረፍመረፍ ኣሎ። ከልግሶ ይደሊ እዩ ግን ኣይክእልን። ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ይጽበ፡ ከመይሲ ነዚ ስራሕዚ እተከናውን ዑፍ ከም ዘላ ስለ ዚፈልጥ።


ንሳ ኣብ መንጎ ክልተ ምንጋግኡ ኣትያ ከም መሰቕሰቕ ስኒ ብምዃን ነቲ ተረፍመረፍ ስጋ በብሓደ እናለቐመት ትበልዖ። ምስ ወድአት ድማ ነፊራ ትኸይድ። እቲ ሓርገጽ እንተ ዝደሊ ኣብ ውሽጢ ኣፉ ኸላ ምቖራጠማ፡ ግን ተድልዮ ስለ ዝኾነት ንሒፉዋ። እታ ዑፍ ምናልባት ትሓስብ ነይራ እንተ ትኸውን፡ ነቲ ስጋ ምብላዕ መሰለይ እዩ ምበለት ነይራ። እቲ ሓርገጽውን ብወገኑ፡ ብዑፍ ክግልገል መሰለይ እዩ ይብል ይኸውን። ግን እዚ ኹሉ፡ ከም ሓሳብ ኮይኑ እዩ ዚተርፍ። ኣብ ግምባሮም እተጻሕፈ ናይ መሰላት
ዓንቀጽ የሎን። እምበኣር መሰል ኪብሃል ከሎ፡ ተዛማድን ድልዱል መሰረት ዘይብሉን ተነቃፍን ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግባእን።


ወድሰብ ኣብ ግንባሩ እተጻሕፈ ናይ መሰል ዓንቀጻት የብሉን። መንግስትን ሃገርን ምስ ፈጠረን፡ ኣንጻርቲ ዓማጺ ስርዓታት ድማ ህዝባዊ ናዕብታትን ሰውራታትን ምስ ኣካየደን፡ እቲ ንቕሓት ህዝቢ ድማ ብፖለቲካውያን ፈላስፋታት ክብ ኢሉ ምስ ጸንሐን እዩ ቅድሚ ሕጂ ሓሲቡዎን ዘኪሩዎን ዘይፈልጥ፡ እዚ መሰለይ እዩ፡ እዚ ግቡአይ እዩ፡ ዚብል ርእይቶታት ከቕርብ ዝጀመረ። ነዚ ንምድልዳል፡ ገለ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝረኣኹዎም ስደተኛታት ክጠቅስ እደሊ። ዝበዝሑ መሰሎም እውን ኣይፈልጡን
እዮም። እዚ መሰልኩም እዩ ኢልካ ምስ እትነግሮምውን ናይ ንቕሓት ጉድለት ግዲ ኾይኑ፡ ስምዒት ኣይህቦምን። ገሊኦም ድማ ስለምንታይ እዩ ኣብ መብዛሕትኡ ኣብያተጽሕፈት ኣንስቲ ጥራይ እንርእይ ብምባል ይገርሞም። ደቀንስትዮ ኣብ ኣብያተጽሕፈት ገበርትን ሓደግትን ንምዃን መሰል ኪህልወን ከም ዚኽእል ኣይፈልጡን። ይኹንምበር፡ መሰላት ወድሰብ ንኺግፈፍ ዘለዎ ተኽእሎታት ዓቢ እዩ። ዓለም ናይቲ ዝሓየለን ዝተበላሓተን ብምዃና፡ መሰል ወድሰብ ድማ ታሪኻውን ማሕበራውን ኢቮሉሽናውን መሰረት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ወይ ጸጥታዊ ስግኣት ወይ ምዝንባል ኣብ ዚረኣየሉ ግዜ፡ መሰላት ወድሰብ ንኺገሃስ ግዜ ኣይወስድን።


እዚ ድማ ኣብዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ዘመን ንርእዮ ዘሎና ክስተት እዩ። ኣመሪካውያን ንፈለማ ግዜ ኣብ ህይወቶም ኣብ ገዛ ኪዕጸዉ ምስ ተገደዱ፡ መሰልና ተገፊፍና ኪብሉ ጀሚሮም። መን ዝሃቦም መሰል? መስተውዓልትን በላሕትን ተመራመርትን መስረትቲ ኣመሪካ እዮም ኣብቲ ቅዋም ኣስፊሮሙሎም። ግን ኮሮናቫይረስ መጺኣ ነዚ መሰል’ዚ ኣሕቂቓቶ። መሰለይ ናይ ህያውነተይ ሕላገት እዩ ኢሉ እተማጎተ ድማ ይእሰር ኣሎ። ክትልክመናዶ ዄንካ ዚብል መልሲ ይወሃቦ ኣሎ።

ገለ ሰባት፡ መሰረት ኣምር መሰል ወድሰብ፡ ሃይማኖት እዩ ይብሉ። ኣምላኽ ኩሉ ዚኽእልን ዚፈልጥን ሓያልን ገባርን ሓዳግን ቅዱስን ምስጢራውን ብምዃኑ፡ እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ድማ ብመጠኑ ኣሰር ናይቲ ዝፈጠሮ ባህርያት ስለ ዘለዎ፡ ሰብ ክቡር እዩ፡ ኣብዛ ዓለም ድማ ክብሩ ተሓልዩሉ ኪነብር ይግባእ ዚብል ርእይቶ ኣለዎም። ነዚ መሰላትዚ ምግፋፍ ድማ ምግፋፍ ክብሪ ናይቲ ብኣምላኽ እተደኰነ ሰብ እዩ…..ይብሉ።


ኣብዚ ርእይቶዚ፡ ገለ ሓቅታት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን፡ ግን ጠሊቕካ ምስ እትምርምሮ ካልእ ኮይኑ እዩ ዚጸንሓካ። ኣብ 17/18 ክፍለዘመን ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ፡ መለኮታዊ መሰል ነገስታት (Divine right theory) ዚብል ኣብ ሃይማኖት እተመርኮሰ ሓሳብ ወይ ንድፈሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝፍጸም ዝነበረ ኣንጻር ህዝቢ ዝዓለመ ግፍዒ መሰረት ኮይኑ ነበረ። ንጉስ፡ ብኣምላኽ እተመዘዘ ብምዃኑ፡ ዝሓቶ እንተሎ እቲ መለኮታዊ ሓይሊ ደኣምበር ሰብ ኪሓቶ ኣይክእልን ዚብል ነበረ። ብሓጺሩ፡ ሰማይ ኣይሕረስ ንጉስ ኣይክሰስ ከም ማለት እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ነዚ ንድፈሓሳብዚ ገለ ከየጕደለ እተጠቐመሉ መራሒ፡ እቲ ብ17 ክፍለዘመን ዝነበረ ሉዊ 14 እተባህለ ናይ ፈረንሳ ንጉስ እዩ። ንሱን ብድሕሪኡ ዝመጹ ነገስታት ፈረንሳን ስልጣኖም መለኮታዊ ምዃኑ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ (ጥቕሲ ከኣ ብሓቂ ረኺቦም እዮም)፡ ኣብ ህዝቦም ሓፍ ዘይብል መከራ ኣውሪዶም እዮም።


እምባገነን ምስ ዚነግስ፡ እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ናይ ቃሕ ዝበለካ ምግባር መሰል ናቱ ደኣምበር ናይ ህዝቢ ኣይኮነን። ብዓሚቝ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን እተበጽሐ ናይ ወድሰብ መሰል ኣምር፡ ኣብ ኣእምሮ ውልቀመላኺ ቦታ የብሉን። ኣብ 18 ክፍለዘመን፡ ብናይ ሓድሓደ ፖለቲካውያን ፈላስፋታት፡ ናይ ማዕርነት ወይ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ መሰላት ዚገልጽ ሓሳባት እንተ ዘይቃላሕ ነይሩ፡ እቲ ንኣመሪካ ብ1776 ደሞክራስያዊ መስመር ከም እትኽተል ዝገበራን፡ እቲ ንፈረንሳ ብ1789 ካብ ንጉሳውነት ናብ ረፑብሊክ ክትሳገር ዘኽኣላን ህዝባዊ ናዕቢ ወይ ሰውራ ኪካየድ ኣይምኻእለን።

ኣብዚ ዘመን’ዚ ድማ፡ ኣብ ኣመሪካ ንጉስ ጆርጅ ዋሺንተን 6ይ፡ ኣብ ፈረንሳ ኸኣ ንጉስ ሉዊ መበል 25 ዚብሃሉ መራሕቲ ምረኣና ኔርና። እዚ ኣብዚ ዘመንና ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳን ኣመሪካን (ብፍላይ ድማ ኣብ ስካንዲናቭያን ሃገራት) ኣብ ወድሰብ ዚዝውተር ዘሎ እተፈላለየን ተዛማድን መሰላት ድማ ግሁድ ኪኸውን ኣይምኸኣለን። ንምዃኑ ኣብተን ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ዚኽተላን ንሕግታት ኣምላኽ ከም መምርሒአን ገይረን ዚወስዳኦ ሃገራትዶ ኣይኮነን ናይ መሰላት ምግፋፍ ብብዝሒ ዝረኣይ ዘሎ?


እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓርገጽ፡ ነተን ንኣስናኑ ኪስቕስቓ (ከገልግላኦ) ቀጻሊ ዝመጻ ኣዕዋፍ በብሓደ ኪቖራጥመን እንተ ወዓለ ግዲ የብሉን። ናቱ መሰል ንኺበልዐን እዩ፡ መሰለን ከኣ ኪብልዓ እዩ ኢሉ ምተዛረበ። ይኹንምበር፡ ልምዲ ብቐሊሉ ስለ ዘየቋርጽ ንሳተን’ውን መመሊሰን ምመጻ እምበር፡ ሓሲበን ተመራሚረን ኪውስና ኣይምኸኣላን። እታ ዘይተበልዐት ዑፍ፡ ኩሉ ግዜ፡ ምልቃም ተረፍመረፍ ስጋ መሰላ ከም ዝኾነ ገይራ ንነብሳ ከተእምና ምነበረት።

ኣይተ ሓርገጽ ድማ ምቝርጣም መሰሎም ከም ዝኾነ እናኣመኑ ምድራዊ ህይወቶም ምቐጸሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com