Wednesday , May 15 2024
Credit: Johansen, Erik/NTB/TT

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ገሊኡ መግቢን መስተን ልዑል ቀረጽ ክገብር ጻውዒት ቀሪቡ።

ብምኽንያት ሕማቕ ልማድ ብልዒን መስተን ዝኽሰት ጒድለት ጥዕና እናወሰኸ ምምጽኡ ን ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ሰባት ዝያዳ ጥዕና ዝህብ ኣበላልዓ ኽስዕቡ መታን መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ እቲ ኤጀንሲ ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ገሊኡ መግቢን መስተን ልዑል ቀረጽ ክገብር ድማ ለበዋኡ ኣቐሚጡ’ሎ። ብርክት ዝበላ ሃገራት እዚ ኣገባብ ከም ዝኽተላ ዝፍለጥ እዩ።

“ኲሉ ሓላፍነት ኣብ ውልቀሰባት ከነንብሮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ብልዒ ጥዕና ዝህብ ንክኸውን ክንሰርሕ ኢና” ክትብል ኣብ ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን ዋና ክኢላ ስነፍልጠት መግቢ (ንዩትሪሺኒስት) ኣሳ ብሩጋርድ ኮንድ ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com