Wednesday , May 15 2024
Credit: Ulla Engberg/Sveriges Radio

መንግስቲ ን ቋንቋ ኣደ ብዝምልከት ገምጋም ክገብር እዩ።

ሰለስቲአን ሰልፊታት መንግስቲ፡ ን ቋንቋ ኣደ ብዝምልከት ገምጋም ክግበር ምስ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ኣብ ስምምዕ በጺሐን። ተመሃሮ ብዝተፈላየ ኣህጒራዊ ቋንቋታት ዝቐስምዎ ፍልጠት፡ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ኣሉታዊ ጽልዋ ከይህልዎዎ ገምጋም ክግበር እዩ። ህሉው ኣገባብ ኣማህራ፡ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሳየንሳዊ ጭብጢ የለን፡ እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ እዩ ዝብሉ ምጒታት ቀሪቦም ኣለዉ።

“ትምህርቲ ሙዚቃ ይዂን ዘመናዊ ቋንቋታት ኣብ ሓፈሻዊ መጽናዕቲ ተመሃሮ እንታይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎም ኢልና ንሓትት ዲና? እዞም ኣካዳምያዊ ቋንቋታት ኣብ ምዕባለ ሽወደንኛ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎም? ከምዚ ዝበለ ሕቶታት ኣልዒልና ኣይንፈጥን ኢና” ክብል ፕሮፌሰር ኒሃድ ቡሃር ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com