Wednesday , May 15 2024
SÖDERTÄLJE 2019-09-06 Läkemedelsföretaget Astra Zeneca Foto: Tomas Oneborg / SvD / TT / Kod: 30142 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) **

መጠን ብዝሒ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝኾነ ክታበት፡ ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ምዃኑ ተገሊጹ

እቲ ብኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝፈሪ ዘሎ ክታበት፡ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ን27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣስታት 100 ሚልዮን ብልቃጥ (ዶዝ) ከቕርብ ምዃኑን ብጠቕላላ ድማ ናይ 400 ሚልዮን ብልቃጥ (ዶዝ) ከቕርብ ስምምዕ ከምዝተፈራረመ ይዝከር።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃገረ በልጂም ዝርከብ፡ ናይ ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ክታበት ዘፍሪ ፋብሪካ፡ ከፍርዮ ወጢንዎ ዝነበረ መጠን ብምውሓዱ፡ ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ፡ ዝኣተዎ ቃል ክፍጽም ከምዘይክእል ገሊጹ።

ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝኾነ ክታበት፡ ዕለት 29/01/2021፡ ብመንገዲ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ውሳኔ ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ን450 ሚልዮን ዜጋታተን ዝኸውን ክታበት ከዳልዋ ይሸባሸባ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ ክሳብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን፡ 70% ናይዚ ቁጽሪ ክኽተቡ መደብ ሒዘን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com