Tuesday , May 14 2024

ምምሕዳራት ሽወደን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ክሮነር ንኽሰርሑ ዘይክእሉ ኣባላት ወጻኢ ገይረን።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላላያ ምምሕዳራት ንዝርከቡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ክሰርሑ ንዘይክእሉ ኣባላት ናይ ስራሕ ውዕሎም ንምቁራጽ ተባሂሉ ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ክሮነር ከም ዝወጸ ሬድዮ ሽወደን P4 ኦሬብሮ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ሓቢሩ። ነዚ ዝተገብረ ዳህሳስ 198 ካብተን 290 ምምሕዳራት ሽወደን ከም እተቀበለኦ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እቲ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ እዘን ምምሕዳራት ንልዕሊ 7000 ሰራሕተኛታት ወጻኢታት ከም ዝገበራን ካብኣቶም ድማ 900 ዝኾኑ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝሰርሑ ዝነበሩ እዮም። መብዛሕትኦም ጉዳያት ድማ ምስ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝተሓሓዘ ኮይኑ ድሕሪ ምሕዋዮም ክምለሱ ዘይከኣሉ እዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩነታት ናይዞም ካብ ስራሕ ዝተፋነዉ ሰራሕተኛታት ኣብ መርመራ ከምዘሎን ወላ’ኳ ተኽእሎታት ስራሕ ጸቢብ እንተኾነ ካልእ ናይ ስራሕ ዕድላት ንኽፍጠረሎም ይስራሓሉ ከም ዘሎ ኣማኻሪት ሰብኣዊ ዓቕሚ ምምሕዳር ሃልስበሪ፡ ኢሊዛቤት ቦቪን ንሬድዮ P4 ኦሬብሮ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com