Tuesday , May 14 2024
A coastguard vessel docks at the port of Pythagorio after the plane crash. (AP Photo/Michael Svarnias) XTS102

ምስክር ጉዳይ ክሲ ናታንያሁ: ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቱ

ኣብ ደሴታት ግሪኽ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን ሓደ ካብዚኣቶም ኣብ ጒዳይ ክሲ ናታንያሁ ምስክር ክኸውን ተሓጽዩ ዝነበረን ምዃኑ ተፈሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር ናታንያሁ ንብልሽውና ሓዊስካ ብብርክት ዝበለ ገበናት ተኸሲሱ ምህላዉ ኣኽባት ሕጊ እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ።

 

እዚ 69 ዝዕድሜኡ ምስክር ምስ በዓልቲ ቤቱ ብሓደ በቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት እዩ ሞይቱ ተባሂሉ’ሎ።

 

ነዚ ምስክር ጽዒና ዝነበረት ሓንቲ ዝሞተራ ነፋሪት ካብ እስራኤል ተላዒላ ናብ ደሴታት ሳሞስ እናበረረት ካብ ራዳር ከም እተኸወለትን ብእኡ ኣቢላ ድማ ምስዋራን እቲ ዜና ወሲኹ ኣብሪሁ።

 

ኣብ ጥቓ ደሴት ሳሞስ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊሩ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ ብሰኑይ ክልተ ድምጺ ምብራዕ ምስማዑ ን በዓልመዚ ጸጥታ ኣየር እታ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ አግና ምኽንያት ምብራዕ እታ ነፋሪት ገና ኣብ ምጽራይ እዩ ዘሎ።

 

ስብርባር እታ ነፋሪት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ደሴት ክልተ ኪሎሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ 33 ሜትሮ ዝዕምቆቱ መሬት ተረኺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com