Tuesday , May 14 2024

ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና እንተ ተራእዩ፡ ዝተረሩ ስጉምታት ክውሰድ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ተሌቪዥን ሽወደን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ኣብ ሽወደን እንተ ተራእዩ፡ መንግስቲ፡ በቲ ዝተዋህቦ ስልጣን ናይ ግዝያዊ ሕጊ ኮሮና፡ ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ስራሕ ቦታታት፡ ቤት ትምህርታትን ካልእን ምሉእ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክወስድ፡ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ በዚ ለበዳ ዝተጠቕዓ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ብተናጸል፡ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝከኣል ገሊጹ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ድሕሪ’ቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ውሽጢ ሽወደን፡ ኣብ 55 ሰባት ምስ ተራእየ እዩ።

ካብ ዕለት 25/01/2021 ጀሚሩ ውን፡ ብሰንኪ እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኣብ ከባቢ ኦስሎ፡ ኖርወይ፡  ምርኣዩ፡ ሽወደን ምስ ኖርወይ ዘዳውባ ከባቢታት ንግዝይኡ ከምዝዓጸወት፡ ዳምቤሪ፡ ምሕባሩ ይፍለጥ።

እዞም ኣብ ሽወደን፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት፡ ታሪኽ መገሻ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዎም ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እንተድኣ ኣብ ነበርቲ ሽወደን ክረአ ጀሚሩ፡ መንግስቲ፡ ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ዝኸይድ ዝተረረ ቀይድታት ከመሓላልፍ ምዃኑ፡ ዳምቤሪ፡ ሓቢሩ።

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደንን ሓለፍቲ ምክልኻል ለበዳን ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት፡ ግቡእ ምድላዋት ብምግባር፡ ኣብ ዘጓንፈሉ እዋን፡ ብቕልጡፍ ክሰርሑ ከምዝግባእ፡ ዳምቤሪ፡ ለበውኡ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ዝሓለፈ 14 መዓልታት፡ ካብ ኖርወይ ዝመጹ ሰባት እንተድኣ ሃልዮም፡ ንሸውዓተ መዓልታት ኣብ ገዝኦም ክውሸቡን ተቐላጢፎም ድማ መርመራ ኮሮና ከካይዱን፡ ዳምቤሪ፡ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com