Wednesday , May 15 2024

ምስ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ስቶክሆልም ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ ክለተ ተወሰክቲ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ምስ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ስቶክሆልም ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ ክልተ ደቂ ታጂኪስታን ኣብ ሶርያ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ብማዕከናት ዜና ሽወደን ዝተገልጸ። እዞም ሰብኡት ን ኣብ ስተኮሆልም መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ራህማት ኣኪሎቭ ኣብ ግብረ ሽበራዊ ስርሓቱ ሓገዝ ብምትሕብባር እዮም ተኸሲሶም። ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶምን ብርክት ዝበሉ ድማ ምቚሳሎምን ዝዝከር እዩ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን Säpo ብዛዕባዚ ዜና ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com