Wednesday , May 15 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ሰልፊ ሞደራትና፡ ሕጋዊ ወረቐት ናይ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓበሬታ፡ ክባጻሕ ኣለዎ ይብል

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሕጋዊ ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ናታቶም ሓበሬታ፡ ናብ ኩለን መንግስታውያን በዓል መዚ ንኽባጻሕ ምእንቲ፡ እቶም ነዚ ዝቕይዱ ናይ ብሕታውነት ሕግታት ክልወጡ ድሌት ከምዘለዎ ሰልፊ ሞደራትና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ዕላማ ናይዚ ለውጢ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝነብሩ ኩሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዘድልይ ሓበሬታ ናብ ኩለን ኣብያተ መዚ መንግስቲ ንክባጻሕ ዝብል ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ዋና ናይ ብሕታውነት ሕጊ (privacy legislation)፡ ኣብያተ መዚ መንግስቲ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ብዛዕባ እዞም ስደተናታት ሓበሬታ ክለዋወጡ ኣይክእሉን እዮም- እንትርፊ ኣብ ዝተወሰኑ ኩነታት ዝብል እዩ። እቶም ሞደራትና፡ ነዚ ሕጊ ክልውጥዎ ድሌት ኣለዎም።
ብተወሳኺ’ውን፡ እቲ ውድብ፡ መንግስታዊ ኣካላትን ምምሕዳራትን ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሉ ውልቀ-ሰብ ምስ ዘጋጥሞም፡ ነዚ ሓበሬታ ምስ ናይ ሽወደን ትካል ስደተኛታትን ምስ ፖሊስን ክካፈልዎ ዘገድዱ ሕግታት ክተኣታተው ድሌት ከምዘለዎም ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ዕላማ ናይዚ ሕጊ ምቕያር፡ ኣብ ሽወደን ናይ ምንባር መሰል ዘይብሎም ሰባት ንምቁጽጻር ኮይኑ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ንኣብያተ መዚ፡ ብዛዕባ እዞም ሰባት ብዝምልከት እቲ ዝግባእ ሓበሬታ ንኽሕዙ ስለዝሕግዝ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር አሎ።
እቲ ሕጂ ዘሎ ዋና ሕጊ ኢና ክንቅይሮ ደሊና ዘለና። እቲ ሕጂ ዘሎ ሕጊ፡ ፍልይ ዝበለ ኩነታት እንድሕር ዘይተፈጢሩ ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሎም ሰባት ብዛዕባ ዝምልከት ሓበሬታ ክትላዋወጥ ኣይትኽእልን ኢኻ ዝብል እዩ። ንሕና ንብል ዘለና ድማ፡ እቲ ዋና ሕጊ ክኸውን ዘለዎ፡ ሓበሬታ ምልውዋጥ ዝከኣል ኮይኑ፡ ይኹን እምበር፡ ከምዚ ኾይኑ እንዳሃለወ’ውን እንተኾነ፡ ኣብያተ መዚ፡ ከም ድላዮም ሓበሬታ ንኸየውጽኡ ዘገድዱ መስርሓት ክህልው ይኽእሉ እዮም ኢና ንብል ዘለና ክትብል ኣብ ሰልፊ ሞደራትና ወሃቢት ቃል ጉዳያት ኢሚግሬሽን ዝኾነት፡ ማሪያ ማልመር ስቴነርጋርድ፡ ገሊጻ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com