Wednesday , May 15 2024
Foto: Björn Larsson Rosvall / SCANPIX / Kod 9200

ሰራሕተኛ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ

ካብ ከተማ ስቶክሆልም ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ኤኬሮ (Ekerö) ኣብ ዝርከብ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ዝሰርሕ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ትማሃር ዕሸል ቆልዓ ጾታዊ ምትንኻፋት ብምፍጻሙ ን 1.5 ዓመት ማእሰርቲ ከምዝተፈረደ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
መርመራ ናይ ፖሊስ ምስ ጀመረ፡ እቲ ሰብኣይ ካብ ስርሑ ክእለ ከም ዝተገብረን፡ ንሱ ግና ነቶም ክሲታት ከምዝነጸጎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቖልዓ ናይ ምዕማጽ ገበን ከምዝበጽሐ ከረድእ እኳ እንተፈተነ፡ ቤት ፍርዲ ከባቢ ሶልና ግን ምዕማጽ ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጽ እኹል መርትዖ ክርከብ ከም ዘይተኸኣለ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ዝተመስረተ ክሲ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቖልዓ ኣብ ሰለስተ ዝተፋላለዩ እዋናት ‘ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ ብዝብል ዘይኮነስ፡ ኣብ ክንድኡ፡ ጾታዊ ምትንኻፋት ብዝብል ገበን ክሲ ክቐርበሉ ከምዝተገብረ ተሓቢሩ። ካብ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ብተወሳኺ እቲ ገበነኛ ንከሳሲት 95,000 ክሮኖር ክኸፍል ከምዝተፈረዶ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
እቶም ዝተፈጸሙ በደላት፡ ኣብ ሞንጎ ወርሒታት ነሓሰን ጥቅምቲን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸሙ ምንባሮም ይፍለጥ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com