Wednesday , May 15 2024
STOCKHOLM 20210703 En stängd Coop butik i Stockholm på lördagen. Foto: Ali Lorestani/ TT / kod 11950

ሰርሰርቲ፡ ብሚልዮናት ዶላራት ዝበጽሕ በጃ ንክኽፈሉ ይሓቱ

ኣብ ልዕሊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኩባንያታት፡ ብመንገዲ ኢንተርኔት መጥቃዕታት ዘካይዱ ሰርሰርቲ (cyberattackers) ነቲ ዝዓጸውዎ ስርዓተ ኢንተርኔት ንኽኸፍቱ ክሳብ 70 ሚልዮን ዶላር ወይ ድማ 600 ሚልዮን ክሮነር ፡ በጃ ንኽኽፈሉ ከምዝሓተቱ ሮይተርስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ካብተን በዞም ሰርሰርቲ ዝተጠቕዓ ሽወደናውያን ኩባንያታት ኩፕ (Coop)፡ ኣፖቴክ ህየርታን (Apotek Hjärtat) ኤስ ጀ (SJ) ምንባረን ይፍለጥ።

ረቪል (Revil) ዝተባህለ ጉጅለ ሰርሰርቲ፡  ኣብቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ዝጥቀምሉ ብሎግ (blog) ነዚ ጠለብ ከምዘቕረቡ ኣላ ሊስካ ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ናይ ኢንተርኔት ሰላይ ዝኾነ ትካል ገሊጹ።

ኩባንያ ኩፕ፡ ዓርቢ ሰዓት 6፡30 ናይ ምሸት፡ ብሰርሰርቲ ከምዝተጠቕዐን ካብ ቀዳመ ሰንበት ጀሚሩ ድማ ዝበዝሓ ጨናፍር ናይዚ ኩባንያ ተዓጽየን ምህላወን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com