Wednesday , May 15 2024

ሱዳንውያን ሰደተኛታት ኣብ ከተማ ዮተበሪ ኣንጻር ውሳኔ ኢመግረሽን ዝዓለመ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ከተማ ዮተበሪ ዝርከብ “ብዮተበሪ ስኰር” ዝተባህለ ቦታ፡ ንመበል ዕስታ መዓልቲ ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፊ ቀጺሉ ውዒሉ። ምስ ምውዳቕ ስርዓት ኣልበሺር ኩነታት ሱዳን ናብ ንቡርን ውሑስን ኩነታት ተሰጋጊሩ ይርከብ፡ ዝብል ብክፍሊ ኤሚግሬሽን ዝወጸ ውሳኔ ንሕቶ ዑቕባ ሱዳናውያን ዝጸሉ ስለዝኾነ ድማ እዮም ኣንጻር እዚ ውሳኔ ተቛውሞኦም ዝቕጽሉ ዘለዉ።

እዞም ሰልፈኛታት መሰሎም ክሕለወሎም ዝኽእል ኣማራጺ (ከም ፖለቲካዊ ዑቕባ) ኣብ ሽወደን ክፍጠረሎም ይሓቱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ሱዳን ዘጋጥም ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ጸጥታዊ ኩነታትን ኣብ ግምት ብምእታውን ከምኡ ድማ ገለ ኣባላት ዝሓለፈ ስርዓት ኣልበሺር ዝኾኑ ብዓሌታዊ ምጽናትን ቅትለት ሰልፈኛታት ዝኽሰሱ ገበነኛታት ጌና ኣብ ሰራዊት ብምህላዎም ብነፍሰ ምትእምማን ኣብ ሱዳን ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና ይብሉ እቶም ሰልፈኛታት።

ካብቶም ሱዳናውያን ተቛወምቲ ኣብ ሽወደን ንነዊሕ ግዜ ንተቐመጡ ገሊኦም ውን ንኣስታት 11 ዓመታት ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ዝነበሩ ምዃኖም የረጋግጹ። እዚ ተቛውሞ ብገለ ኣባላት ናይ ኣከባቢን ከምኡ ውን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲታት ደገፍ ከም ዝረኸበ ይሕበር። እንተኾነ እቲ ደገፍ ሰብኣዊ ደገፍ እንተዘይኮይኑ ነቲ ብመንገዲ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ዝወጸ ፖለቲካዊ ውሳኔ ዝኾነ ዓይነት ምትእትታው ዘይብሉ ምዃኑ ይሕብራ። እዚ ተቛውሞ ካብ ዕለት 6 መስከረም 2019 ዝጀመረ ኮይኑ ክሳብ ዕለት 30 ናይቲ ወርሒ ክቕጽል እዩ።

ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ እንተዘይተመሊሱ እቲ ተቛውሞ ንተወሳኺ ክልተ ኣዋርሕ ወይ ዝያዳ ንምቕጻል ፍቓድ ካብ ዝምልከቶም ሽወደናውያን ኣካላት ክሓቱ ምዃኖም እቶም ተቛወምቲ ይሕብሩ። ካብ 2003 ክሳብ 2006 ኣብ ዝነበረ ግዜያት፡ ሱዳናውን ሓተቲ ዑቕባ ብተመሳሳሊ ምኽንያታት ናይ ተቛውሞ ሰልፍታት ኣካይዶም ነይሮም። እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዝነበረ ደማዊ ኣጋጣሚታት ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com