Wednesday , May 15 2024
Protesters in the Sudanese capital Khartoum demand a transition to civilian rule after the military coup in October. (AP Photo/Marwan Ali) MA103

ሱዳን፡ ሓደሽቲ ተቓውሞታት ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ  

ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ኣብ ዋና ከተማ ናይ ሱዳን፡ ካርቱም፡ ኣብ ልደት መዓልቲ፡ ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ ዘቐንዐ ተቓውሞ ንምግባር ተኣኪቦም፡ እቶም ወታሃደራት “ናብ መዓስከራቶም ንኽምለሱ” ኮምኡ ድማ እቲ ስርዓት ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንኽምለስ ጸዊዖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሓይልታት ጸጥታ፡ ናብቶም ባንዴራ እንዳ ኣምበልበሉ፣ ከብሮ እንዳወቕዑን ጭርሖታት እንዳስመዑን ወጽዮም ዝቃወሙ ዝነበሩ ሰባት፡ መንብዒ ጋዝ ብምንጻግ ክብትንዎም ከምዝፈተኑ ተሓቢሩ’ሎ። ጋዜጠኛታት AFP እቶም ተቓወምቲ ኣብቲ ናዕቢ ንዝተጎድኡ ሰባት ተሸኪሞም ክወስዱዎም ከለው ከምዝረኣዩ ጸብጺቦም።
ኣካል ናይቲ ፈተውቲ ዲሞክራሲ ዝኾነ ምንቅስቓስ፡ ኣብቲ ተቓውሞ ተረኺቡ ዝነበረ ሓደ ናይ ሓኻይም ጉጅለ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ጉጅለ መንብዒ ጋዝ ብምትኳስ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሓኻይምን ተቓወምቲን ጉድኣት ከምዘብጽሑ ጸብጺቡ።
እቲ ተተሊሙ ዝነበረ ተቓውሞ ቅድሚ ምትግባሩ፡ ፖሊስ ነተን ከተማታት ምስ ጎደቦታተን ዘራኽቡ ድልድላት ዓጽዩ፣ መስመራት ናይ ስልኪን ናይ ኢንተርነትን ኣቋሪጹ ከምዝነበረ ተፈሊጡ’ሎ።
ከም ጸብጻብ ናይቶም ጉጅለ ሓኻይም እንድሕር ኮይኑ፡ ካብቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተገብረሉ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ክካየዱ ኣብ ዝጸንሑ ተቓውሞታት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታን ተቓወምቲን ብሰንኪ ዝተፈጥሩ ግጭታት፡ እንተወሓደ 48 ዝኾኑ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com