Tuesday , May 14 2024
Credit: Jan Collsiöö/TT Nyhetsbyrån

ስራሓት ሃሰን ታገን ዝድህስስ ስራሕ ክቐርብ እዩ።

ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ “ትካል ፊልም ሽወደን”፡ ኣብዚ ጽድያ ፊልምታት ከርኢ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብልፍንቲ ዝስራሕ ኮመዲ “ሃሰ ኣልፍረድሰን” ን “ታገ ዳኔልሰን” ምስ ሓድሽ መጽሓፍ ዝርዝር ፊልምታቶም፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ክቐርብ እዩ። ሃሰን ታገን፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ብ ፊልምታቶም፡ ንድፍታቶምን ምርኢታቶምን ንብዙሓት ኣዘናጊዖም እዮም።

“ሽወደናውያን ካበይ ይምጽኡን ዘለዎም ማሕበራዊ ደርቢን ብዘየገድስ፡ ምስ ተዋስኦ፡ ዋዛ፡ ዳእላን ፊልምታትን እዞም ሰባት ብገለ ይተኣሳሰሩ እዮም” ክብል ተሓጋጋዚ ኣሕታሚ እዛ መጽሓፍ፡ ኒክላስ ሳሎመ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com