Wednesday , May 15 2024
STOCKHOLM 20211124 Statsministeromröstning i riksdagen. Foto: Erik Simander / TT kod 11720

ሽወደናዊ ማሕበራዊ ሞዴል . . . 9ይ ክፋል . . . ዳግመ-ምቁጽጻር መንግስቲ

ሽማግለ ናይ ቅዋም (Committee on the Constitution – KU) በቲ ባይቶ ዝምረጽ ኮሚቴ ኾይኑ ናይቶም ሚኒስተራት ኣፈጻጽማ ናይ ወድዓዊ ዕዮታቶምን እቲ መንግስታዊ ስራሕ ዝእለየሉ ኣገባብን ዝከታተልን ዝቆጻጸርን ኣካል እዩ። ብተወሳኺ’ውን ብዛዕባ ምስ ቅዋም፡ ባይቶኣዊ መስርሓት ዝተሓሓዙን ከምኡ ውን መርማሪ ኣካል (auditors-general) ዝመረጾም ጉዳያት ናይ ምድላው ሓላፍነት ኣለዎ።
ሃገራዊ መርማሪ ቤት ጽሕፈት ሽወደን (The Swedish National Audit Office) ተጸዋዕነቱ፡ ብቐጥታ ናብ ባይቶን ሽወደን ኾይኑ፡ እቶም መንግስታውያን ትካላትን ዋኒናትን ነቶም ኣብ መስርሕ ዘለው መምርሕታት፣ ሕግታትን ኣገባባትን ይትግብሩዎም ምህላዎም ዝከታተል ቤት ጽሕፈት እዩ።  ብተወሳኺ ድማ፡ ሸቶታቶም የሳኽዑ ምህላዎም፡ ማለት፡ እቲ መንግስቲን እቶም ትካላትን ስርሖም ብግቡእ ይሰርሑ ምህላዎምን ዝቆጻጸር ቤት ጽሕፈት እዩ።
ሓደሓደ መንግስታውያን ትካላት፡ ንገዛእ ርእሶም፡ ተቖጻጸርቲ በዓል መዚ እዮም። በዚ ኣገባብ ኣቢሉ ድማ፡ መንግስቲ፡ ንቤት ምኽሪ ሽማግለ ምምሕዳራትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝሰርሕዎ ስራሕ እንዳሓገዘ ይከታተሎም። ንኣብነት፡ እቲ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርትታት ተቖጻጻሪ ኣካል (The Swedish Schools Inspectorate) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት፡ ነተን ቤት ትምህርታት ብሕግን ኣገባብን ተገዚአን ይሰርሓ ምህላወን ዝከታተልን ዝቖጻጸርን ኣካል እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com