Wednesday , May 15 2024

ሽወደን ንሕቶ መንበሪ ፍቓድ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ከም ተቃልሎ ሓቢራ።

ኩነታት መንበሪ ፍቓድ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ እንግሊዛውያን ኣብ ቅንያት ብረግዚት (Brexit without deal) ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ብዘይ ስምምዕ ኣብ ትወጻሉ እዋን መንግስቲ ሽወደን መስርሕ ምሕታት መንበሪ ፍቓድ ንዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ከተቃልለሎም ምዄና ኣፍሊጣ። ንሕቶ መንበሪ ፍቓድ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝን ስድራ ቤቶምን ዝምልከት ብሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን: ሞርጋን ዮሃንሰን: ፍሉይ ውጥን ከም ዘዳለወ SVT ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።

ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ቅድሚ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ እንተ ድኣ ወጺኣ: ነቶም ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዝሓቱ ዜጋታታ ብፍሉይ እንተወሓደ ናይ ሓደ ዓመት ፍቓድ ከውሕስሎም ከም ዝኾኑ ዮሃንሰን ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን አስታት 25000 እንግሊዛውያን ኣብ ሽወደን ይነብሩ። ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣስታት 1700 እንግሊዛውያን መንበሪ ፍቓድ ሓቲቶም። እዚ ቁጽሪ ምስቲ ቅድሚ ብረግዚት ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ ብዘይናዓቕ ቁጽሪ ከም ዝዛየደ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com