Tuesday , May 14 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ሽወደን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓለም ዝለዓለ እተባህለ መጠነ ሞት ለበዳ ኮሮና ኣመዝጊባ።

ብመሰረት ቊጽሪ ህዝቢ ሽወደን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓለም ዝለዓለ እተባህለ መጠነ ሞት ለበዳ ኮሮና ኣመዝጊባ ክትብል ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ። እንተኾነ ግና እዚ ኣገባብ ምውድዳር ሃገራት ብዙሕ ጠርጠራ ዘለዓዕል ምዃኑ ተሓቢሩ። ” ሃገራት ብዝተፈለየ ኣገባብ እየን ቅመራ ዝግበረለን። ስለዚ ድማ እዚ ዝተባህለ ቊጽሪ ቅቡል ከይከውን ይኽእል እዩ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቱ ስቶክሆልም ፕሮፌሰር ስታቲስቲክስ ዳን ሂድሊን ሓቢሩ።

ናይ ሃገራት ስታቲስቲክስ ለበዳ ብመንጽር ሚልዮን ነበርቲ እተን ሃገራት እናተቐመረ እዩ ክቐርብ ጸኒሑ፥ ብመሰረት እዚ ቅመራ ሽወደን ኣብ 20 ግንቦት ካብ ሚልዮን ሰባት 6.08 ሰባት እንክሞትዋ ብሪጣንያ 5.57 ኣመዝጊባ’ላ። እዚ ይዂንምበር ኣማኻሪን ተጸዋዒን ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል እዚ ኣገባብ ቅመራን ምውድዳርን ክትቅበሎ ኣሸጋሪ እዩ ኢሉ። ኣብ ሽወደን መጠን ሞት ተቐያያሪ እዩ፥ ስለዚ ድማ ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ቊጽሪ ደምዳሚ ሓሳባት ምቕራብ ኣሸጋሪ እዩ ክብል ድማ ነቲ ኣገባብ ተቓዊምዎ። እዚ ዝቐረበ ስታቲስቲክስ ኣብ ኣሃዛት ኣሃዱ ምቊጽጻር ለበዳ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝምርኰስ ኮይኑ ብዩኒቨርሲቱ ከም ዝእከብ ድማ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com