Wednesday , May 15 2024
STOCKHOLM 20200302 En ambulanssjukvårdare visar upp ett provrör ur ett provtagningskit. Ambulansen gör hembesök hos personer som misstänks vara smittade av Corona. Foto Anders Wiklund / TT kod 10040

ቁጽሪ ናይቶም ብሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት፡ ብሓሙሽተ ወሲኹ

ትማሊ፡ ኣብ ሽወደን፡ ሓሙሽተ ሰባት በቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝስዕብ ምልክታት ዘርኣዩ ከምተረኽቡ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ መገሻ ንጥፈታት ዘየካየዱ ምንባሮም ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ መላእ ሽወደን፡ በዚ ሓድሽ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ቁጽሮም ናብ 17 ክብ ኢሉ ምህላዉ ጸብጻባት መርበብ ሓበሬታ ኤክስፕረሰን ይሕብሩ።

እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ፡ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ክላባዕ ተኽእሎታት ኣሎ ክትብል፡ ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ሓላፊት ጨንፈር ዝኾነት ካሪን ቴግማርክ ዊሰል ሓቢራ።

ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ሽወደን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ 277 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብድምር ድማ 9,262 ሰባት ሞይቶም ከምዘለዉ መዝገባት በዓል መዚ ጥዕና ይሕብሩ። ጠቕላል ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ናይ ዝተለኽፉ ሰባት፡ 482 ሽሕን 284 ምብጽሑ ተፈሊጡ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት፡ 387 ብምብጽሑ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ብዝሒ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ51% ምውሳኹ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን፡ በቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽበ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com