Wednesday , May 15 2024
Skatteverkets huvudkontor i Solna Foto Janerik Henriksson / TT kod 10010

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

ዓርቢ መዓልቲ፡ ዕለት 12 ሕዳር፡ ናይዚ ዓመት’ዚ ዘይተኸፍለ ዕዳ ግብሪ ዝኽፈለሉ ዕለት ምዃኑ፡ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር  ኣዘኻኺሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ኣስታት 200 ሽሕ ግብሪ ዘይከፈሉ ሰባት፡ ዕደኦም ንኽኸፍሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቶም ዕደኦም ኣብቲ ዝተወሰነ ግዜ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ሰባት፡ ካብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ታሕሳስ፡ ተወሳኺ ክፍሊት መቕጻዕቲ ዝሓዘ ደብዳቤ ክስደዶም ምዃኑ ዝገለጸት ኣባል ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ዝኮነት ኢቫ ቦዲን፡ ድሕሪ ምግላጻ ንሕጂ፡ ዕደኦም ናብ ክሮነፎግደን ኣይክንልእኮን ኢና ኢላ።

እቲ ተወሲኑ ዘሎ መጠን መቕጻዕቲ፡ ክሳብ 16.25% ክበጽሕ ምዃኑን ክሳብ ዕደኦም ዝኸፍሉ ድማ፡ እቲ መጠን መቕጻዕቲ ክቕጽል እዩ።

እዚ ጠለብ ክፍሊት ዕዳ ግብሪ፡ ነቶም ትሕቲ 2000 ክሮነር ዕዳ ዘለዎም ጥራይ ዝምልከት እዩ። እቲ ዕዳ፡ ልዕሊ እዚ መጠን እንተድኣ ኮይኑ ግን፡ ክሳብ ዕለት 27 ታሕሳስ ዘሎ ግዜ ክኸፈል እንተዘይክኢሉ፡ ብቐጥታ ናብ ክሮነፎግደን ክለኣኽ ምዃኑ፡ ኢቫ፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com