Tuesday , May 14 2024

ብምትሕውዋስ ዘርኢ መፍረ፡ ኣሜሪካውያን መጻምዲ ዘይውላድና ወሊድና ይብሉ

ኤስያዊ መቦቆል ዘለዎም መጻምድቲ ብ IVF (ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ፡ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ መፍረ) ኣቢሎም ክወልዱ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ኣብ ክሊኒክ መፍረ ካሊፎርናያ ብዝተፈጥረ ምትሕውዋስ ዘርኢ፡ እታ ኣደ ዘይውላዳ ከምዝጠነሰት ገሊጾም።

ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመስረትዎ ክሲ፡ እቶም መጻምድቲ፡ ዘርኢ ኤስያ ዘለዎም ዘይመስሉ ክልተ ኣወዳት ምስ ተገላገሉ ኣዝዮም ከም ዝሰንበዱ ገሊጾም።

እቲ ክሲ ከም ዘነጽሮ፡ ብዝተገብረ መርመራ ዲኤንኤ መሰረት፡ እቶም ህጻናት ናይቶም መጻምድቲ ከም ዘይኮኑ ተረጋጊጹ እዩ።

ክሊኒክ መፍረ ካሊፎርኒያ፡ ብዛዕባ እቲ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ መልሲ የለን።

እቶም ዘለፋን ጸርፍን ዘሰከፎም መጻምድቲ፡ ኣብ ዝመስረትዎ ክሲ ኣስማቶም ኤፒን ዋይዚን ብዝብል ዝተክእዎ ኮይኖም፡ ድቂ ንምሓዝ ብዙሕ ጻዕሪ ዝገበሩ ኮይኖም ኣብ IVF ድቂ ንኽሕዙ 100,000 ዶላር ወጻኢ ገይሮም (እዚ ንሕክምናን ጉዕዞን ካልእ ወጻኢታትን ዘጣቓለለ ኢዩ)።

IVF ማለት ዘርኢ ናይ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ ንኽዓብን ክምዕብልን ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ እዩ።

እቶም መጻምድቲ፡ ‘ደቆም’ ተወሊዶም ኣብ ዝርኣይሉ፡ ናቶም ሰረተ-ዘርኢ ዘለዎም ስለ ዘይመስሉ ኣሰንቢድዎም’ዩ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ ገለ ነገር ከም ዝተባላሸወ ዝእንፍት ውጽኢት ተረኺቡ ነይሩ። እቶም ሓኻይም ናይ ወዲ ተባዕታይ ኢምብርዮ ከም ዘይተጠቕሙ ገሊጾምሎም ከብቕዑ፡ ውጽኢት ስካን ግና ሒዞሞ ዘለዉ ድቂ ማናቱ ተባዕትዮ ከም ዝኾነ’ዩ ኣመስኪሩ።

ይኹን እንበር እቶም ሓኻይም ብተደጋጋሚ ነቶም መጻምድቲ ዝነግርዎም ዝነበሩ፡ እቲ ስካን ልክዕ ከም ዘይኮነ ኢዩ። መወዳእትኡ ድማ ማንታ ኣወዳት ተገላጊሎም።

“እቶም ህጻናት ንወለዶም ኣይመስሉን ጥራይ ዘይኮነስ ንሓድሕዶም ውን ኣይመሳሰሉን ኢዮም” ይብል እቲ ኽሲ።

ቢቢሲ ርእይቶ ናይቲ ክሊኒክ ክረኽብ ፈቲኑ ነይሩ።

ጠበቓታት እቶም ወለዲ ንቢቢሲ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም መጻምድቲ ዓማዊሎም፡ ብዘይተገዳስነትን ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣተሓሕዛን እቲ ናይ መፍረ ክሊኒክ፡ ከም ዝተሃሰዩ ገሊጾም።

ዕላማና ዓማዊልና ግቡእ ካሕሳ ከም ዝረኽቡን ከምዚ ዓይነት ዘሰንብድ ፍጻመ መሊሱ ከም ዘይድገም ምርግጋጽን’ዩ፡ ይብሉ እቶም ጠበቓታት።

ምንጪ: bbc tigrinya


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com