Wednesday , May 15 2024
Several cases of Swedes with fake COVID passports have been detected at Copenhagen Airport, Copenhagen police told TT. (Martin Sylvest /Ritzau Scanpix) COP105

ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን፡ ዝተተምየነ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ሒዞም ተረኺቦም

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት፡ ብርክት ዝበሉ ሸወደናውያን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኮፐንሃገን፡ ዝተተምየነ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ሒዞም ከምዝተረኽቡ ተፈሊጡ። ፖሊስ ኮፐንሃገን፡ እዞም ሰባት እዚኦም ብትምየና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይርከቡ ኣለዉ ክብል ንማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ብሰሉስ መዓልቲ፡ 4 ሰባት፡ ብቕድሚ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ድማ 5 ሰባት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ከምዝኣተዉ ይዝከር፡፡ ካብዚኦም ድማ ክልተ ስድራ ቤታት ምስ ደቆም ይርከቡዎም” ክብል ሶረን ዩል ራስሙሰን ካብ ክፍሊ ርክባት ፖሊስ ገሊጹ።
እቶም ስድራቤታት ናብታ ነፋሪት ክኣትዉ ኣብ ዝዳለዉሉ ዝነበሩ እዋን እዮም ሰራሕተኛታት ናይቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝገበሩዎ ፈተሻ ደው ዘበሉዎም።
ስለዝኾነ ድማ ናብ ሽወደን ከም ዝምለሱ ተገይሮም። ኩሎም ድማ ኣብዚ እዋን፡ ብትምየና ወረቓቕቲ ተጠርጢሮም ይርከቡ። ኣብ ዴንማርካ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክሳብ ሕጂ ከም ዘየጋጠሞም ሶረን ዩል ራስምዩሰን ሓቢሮም ኣለው።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com