Wednesday , May 15 2024
Patients with booked visits are advised to stay at home Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ብሰንኪ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘጋጠመ ብልሽት፡ ትካላት ጥዕና፡ ስርሐን ኣቋሪጸን

ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከባቢ ሰዓት 2 ድ.ቐ.፡ ምምሕዳር ኖርቦተን፡ ብሰንኪ ኣብ መስመር መርበብ ሓበሬታ (network) ዘጋጠሙ ጸገማት፡ ኣብ ኩለን ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ዘለዉ ኣገልግሎት ተሌፎንን ሓበሬታ ተክኖሎጂን (IT) ተጸልዮም ምምሳዮም ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ናብ ሕክምና ንኽመጹ ዝተሓበሩ ሕሙማት፡ ቆጸራታቶም ከምዝስረዝ ኮይኑ።  ኩሎም ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዘድልዮም ዝነበሩ ከም መዛግብቲ ሕክምና፡ ኤክስረይን ስርዓተ ላባራቶሪን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፡ ክሰርሑ ኣይከኣሉን ክትብል ክኢላ ርክባት፡ ኡልሪካ ሊዮን፡ ንተተ ሓቢራ።

ብመስመራት ተሌፎን ኣቢልካ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክርከብ ኣይተኻእለን፡ እቶም ቆጸራታት ዝነበሮም ሕሙማት ድማ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ፡ ምኽሪ ተዋሂሩ።

እቲ ዝነበረ ጸገም፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 6 ድ.ቐ. ድሕሪ ምፍትሑ፡ ዝበዝሐ ንጥፈታቱ ክሰላሰል ጀሚሩ ክብል እቲ ምምሕዳር ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com