Tuesday , May 14 2024

ተምላስ ዘስዕብ ቫይረስ ወቕቲ ዊንተር ኣብ ሽወደን ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዘምልስ ቫይረስ ወቕቲ ዊንተር ንምክልኻል ዘድሊ ቅድመ ምድላው ክግበር ጻውዒት ጌሩ’ሎ። ብመሰረት እቲ ኮሚሽን እዚ ሕማም ዝላብዓሉ ኲነታት ብዛዕባ ምብጽሑ ንምትንባይ ገና ግዜኡ ከም ዘይኣኸለ ድማ ኣመልኪቱ። ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ እዚ መጒዳእቲ እናወሰኽ ክመጽእ ትጽቢት ምህላዉ ን ኣብ ኣእዳው ዝህሉ ጽሬት ክሕሎን፥ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ክሪስማስ እዚ ክዕቱብ ክቕጽልን ኣተሓሳሲባ።

እዚ ቫይረስ ናይ ጨጐራን መዓንጣን ሕማም ዘስዕብ ኰይኑ ናይ ፈለማ ምልክታቱ ውጽኣትን ቅርጸትን ምዃኖምን ኣብ ውሽጢ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ተምላስ ከም ዝጅምርን ድማ እቲ ሓበሬታ የመልክት። ዛጊት እዚ ቫይረስ ዝፍውስ ሕማም ከም ዘይተረኽቦ ድማ ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com