Tuesday , May 14 2024
A sign post for the Bethel Baptist High School (AP Photo) NIN103

ተጨውዮም ዝጸንሑ፡ 28 ናእሽቱ ተማሃሮ፡ ተለቒቖም

ኣብ ሰሜን ናይጀርያ፡ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘጥቅዑ ዕጡቓት፡ 28 ቆልዑ ምፍናዎም ተገሊጹ። ዛጊት 81 ቆልዑ ምስዞም ጨወይቲ ምህላዎም ሓደ ካብዞም ኣሽማገልቲ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ትሕቲ ባፕቲስት ቤተክርስትያን ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ፡ ካዱና፡ 180 ተማሃሮ ከም ዝነበሩ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ 109 ተማሃሮ እቶም 28 ከም እተፈትሑ፡ ረቨርንድ ዮሴፍ ሃያብ፡ ይገልጽ።

ሰብመዚ ናይጀርያ፡ ነዞም “ገጾም ዝጒልበቡ ሸፋቱ” እዮም በዚ መጭወይቲ ዝኸሱ። እዞም ጨወይቲ ካብ ስድራቤት በጃ ክወሃቦም ከም ዝሓቱ ዝገለጹ እቶም ሰብመዚ ብሰንኪቲ ጭውያ፡ እታ ቤት ትምህርቲ ከም እተዓጽወትን መኣስ ከም እትኽፈትን ዝኾነ ኣንፈት ዘይምህላዉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ናይጀርያ፡ ንቆልዑ ብጅምላ ምቕታል ኣዝዩ ግኑን ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ጭውያታት ሕሉፋት ወገናት፡ ዝሳተፉ እኳ እንተኾኑ፡ ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ድማ እዚ ዝፍጽሙ ጒጅለታት ገበን እናበርከቱ ምምጽኦም ይግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com