Wednesday , May 15 2024
Former US President Donald Trump (AP Photo/Andrew Harnik)

ትራምፕ፡ ሰነዳቱ ከዕቀበሉ፡ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይሓትት

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ብ 6 ጥሪ ኣብ ዋሽንግተን ዘጋጠመ ፍጻመ ንኽምርምር  ቤት-ምኽሪ ዝጠለቦ ሰነዳት ውሕስነቱ ከዕቀበሉ ንላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ሓቲቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ገለ ካብኡ፥ እቶም ናይ ቀረባ ተሓጋገዝቲ`ቲ ፕረዚደንት ነበር ብፕረዚደንት እተዋህቦም መዘኻኸሪታት ናይ ዋይት ሃውስ ጋዜጣዊ መግለጺ ጸሓፊ መዘኻኸሪታትን ከምኡ ውን እቲ ዝነበረ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ቀቅድሚ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ምኽሪ ሕ.መ.ኣ. ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓያል ማዕበል፡ ዝሃቦ መደረን ዝርከቡዎ ኣማኢት ገጻት ዝሓዘ ጽሑፍ እዩ፡፡

እቲ ቤት- ምኽሪ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መደረን ምድላዋትን ነቶም ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት ንሓለውቲ ጸጥታ ሓሊፎም ናብ ህንጻ ካፒቶል ጥሒሶም ከም ዝኣትዉ ኣብ ምግባር ጽልዋ ኔሩዎ እንተ ኾይኑ ክምርምሮ ከምዝደሊ እዩ ዝገልጽ፡፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ፖሊስ ዝርከቦም 5 ሰባት ሂወቶም ከም ዝሰኣኑ ይዝከር፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com