Wednesday , May 15 2024

ናይጀርያ . . . ኣብ ሓደ መስጊድ፡ 16 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ናይጀርያ፡ ክልል ኒጀር፡ ኣብ መስጊድ ኣብ ሰግደት ዝነበሩ 16 ሰባት፡ ብዕጡቓት ከም እተቐትሉ ቢቢሲ ሓቢራ።
ብርክት ዝበሉ ካልኦት እውን ኣብ ገጠር በዓረ ከባቢ ማሸጉ ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ፡ መቚሰልቲ ከም ዝበጽሖም ተፈሊጡ። እዞም ዕጡቓት ብረቡዕ እዮም ኣብ ናይ ወጋሕታ ሰግደት ተዂሲ ብምኽፋት ነዞም ሰባት ቀቲሎም ክብል ኣመሓዳሪ ክልል ኒጀር፡ ኣሕመድ ኢብራሂም ማናተ፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እዞም ሞቶርሳይክል ዝዝውሩ ዕጡቓት እናሃደሙ ኣብ ጎደና ንዝረኸብዎ ካልእ ሰብ እውን ምልካሞም እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ’ሎ። ኣብ ጐረቤት ክልል ካትሲና፡ እውን ካልእ ዕጡቕ ጒጅለ ንላዕለዋይ ኣመሓዳሪ፡ ራበ ናስር፡ ኣብ ቤቱ ከም ዝቐተሉ ተፈሊጡ።
ፖሊስ ንመቕተልቲ ራበ ናስር ንምርምሮ ኣሎና ኢሎም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ሶኮቶ፡ 23 ተጓዕዝቲ ብዕጡቓት ደው ክብሉ ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ ውሽጢ እታ ኣውቶቡስ እንከለዉ ብሓዊ ከም ዘቃጸልዎም ይዝከር።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com