Wednesday , May 15 2024
SKÖVDE 2015-05-09 STCC-premiär på Skövde Flygplats, Heat 2. Thed Björk, Volvo, vann heta 2 före Fredrik Larsson, BMW, och Mattias Andersson, Kia. Foto: Micke Fransson/TT kod 61460

ናይ ኾቭደ ኤርፖርት፡ ንኽዕጾ እማመ ቀሪቡ

ናይ ኾቭደ ኤርፖርት፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሰነ 2022፡ ንኽዕጾ ካብ ፈጻሚት ኮሚቴ ምምሕዳር ከተማ ኾቭደ ዝቐረበ እማመ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ናይ ኾቭደ ኤርፖርት ክዕጾ ንሓተሉ ዘለና ምኽንያት፡ ነቶም ኣብ ከባቢና ክህነጹ መደብ ተታሒዝሎም ዘለዉ ዓበይቲ ፋብሪካታት ዝኸውን እኩል ቦታ ብዘይምርካቡ እዩ ክትብል ኣደ ወንበር ፈጻሚት ኮሚቴ ምምሕዳር ኾቭደ፡ ኣተሪና ጆንሶን፡ ገሊጻ።

ኤርፖርት ኾቭደ እንተድኣ ተዓጽዩ፡ ንኢንዱስትርያዊ ንጥፈታት ዝኸውን ናይ 244 ሄክታር ስፍሓት ዘለዎ ቦታ ከነውሕስ ክንክእል ኢና ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ውሳኔ ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ ብቤት ጽሕፈት ሽማግለ ከተማ ኾቭደ፡ ኣብ ዕለት 26 መስከረም ዝፍጸም እዩ።

እዚ ካብ ዓመተ 1989 ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ ኤርፖርት ኾቭደ፡ 97% ዋንነት ናይ ምምሕዳር ከተማ ኾቭደ እዩ።

ኤርፖርት ኾቭደ፡ ኣብ ወተሃደራውን ንግዳውን በረራታት፡ ከምኡ ውን ናይ ኣየር ኣምቡላንስ በረራታት ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ክካየደሉ ዝጸንሐ ኤርፖርት ምዃኑ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ይገልጽ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com