Wednesday , May 15 2024

ንመንእሰያት ዝለዓለ መቕጻዕቲ ክብየን ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ገዛኢ መንግሲ ዝርከባ ሰልፍታት ብውዱባት ገበነኛታት ዝመጻ ዘሎ ገበናት ኣብ ምንካይ ይዘራረባ ምህላወን ተፈሊጡ። ሓደ ካብቲ ሽግራት መንእሰያት ገበናት ይፍጽሙ ምህላዎምን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ክሊ ዕድመ 18–21 ዘለዉ ሕጽር ዝበለ መቕጻዕቲታት ክወሃቡ ምጽንሖም እዩ ተባሂሉ። ሰልፊታት ለዘብተኛታት፥ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ነዚ ጸኒሕ ሕጊ ክኣልይዎ ከም ዝደልዩ ድማ ገሊጾም ኣለዉ።

ካብ 18-21 ዘሎ መንእሰይ ሕጽር ዝበለ ጥራይ መቕጻዕቲ ክብየነሉ የብሉን ኣብ ዝብል ድማ ረጊጾም ብዙሕ ተኻቲዖም ኣለዉ። እንተኾነ መንግስቲ ነዚ ሕጊ ክኣልዮ ፍጹም ድሌት የርኢ ዘይምህላዉ ድማ ተመልኪቱ። ብዛዕባዚ ባይቶ ሽወደን ድምጹ ብምሃብ መዕለቢ ክግበረሉ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com