Tuesday , May 14 2024
Greece's ambassador to Brazil was found murdered in a burnt-out car in December 2016. (AP Photo/Leo Correa)

ንኣምባሳደር ዝነበረ በዓልቤታ ብምቕታላ፡ ተፈሪዳ

ኣምባሳደር ግሪኽ ኣብ ብራዚል ዝነበረ፡ ኪርያኮስ ኣሚሪዲስ፡ ኣብ 2016 ኣብ እዋን ልደት ምስ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ኣብ ከተማ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ንመወዳእታ ግዜ ተራእዩ። ብድሕሪኡ ተሰዊሩ ዝብል ዜና ክቃላሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ በዓልቲ ቤቱ ብቕትለት በዓል ቤታ ተኸሲሳ ምህላዋ፡ ሰብ መዚ ብራዚል ገሊጾም ኣለዉ።

ጠፊኡ ዝብል ጸብጻብ፡ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምብጽሑ፡ መዓልታት ጸኒሑ ዓስከሬን ኣምባሳደር ግሪኽ ኣብ ውሽጢ’ታ ንሱን በዓልቲ ቤቱን እተኻረዩዋ መኪና፡ ተቓጺላ፡ ኣብ ትሕቲ ድልድል ከም እተረኽበ እቶም ሰብመዚ ወሲኾም ገሊጾም።

ኣብ ሶፋ መኪና እተረኽበ ደምን ካልእን መርትዖታት ናብ ውሽማ ሰይቲ ኣምባሳደር ዝኾነ በዓል መዚ ፖሊስ ከም ዝመርሐ ተገሊጹ። ቤት ፍርዲ ብራዚል፡ ሰይቲ ኣምባሳደር ኮነ ኢላ በዓል ቤታ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብውሽማኣ ክቕተል ብምግባራ ን31 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪድዋ ኣሎ። ነዚ ቅትለት ዝፈጸመ ፖሊስ ውሽማኣ ድማ 22 ዓመታት ክእሰር ተበይንሉ ኣሎ።

ብተግባራታ ንስም ሃገራ እውን ኣበላሽያ እያ ክትብል፡ ዳኛ ክሪስቲና ዳ ሲልቪርያ ፈርናንዴዝ፡ ገሊጻ’ላ።

ሳልሳይ ተኸሳሲ፡ ዘመድ እቲ ኣብ ቅትለት እተዋፈረ ፖሊስ ኮይኑ፡ ነቲ ሬሳ ክኣሊ ክሳብ 225 ሽሕ ክሮነር፡ ገንዘብ ክወሃቦ መብጽዓ ተኣትይሉ ምንባሩ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com