Tuesday , May 14 2024
Norway's Health Minister Ingvild Kjerkol points out that vaccination of the youngest age group is voluntary. Foto: Terje Bendiksby / NTB

ኖርወይ፡ ንደቂ 5 ዓመት ዝዕድሜኦም ቆልዑ፡ ክትባት ክትህብ ጀሚራ

ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ዕድሜኦም ኣብ ሞንጎ 5ን 11ን ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19፡ ክታበት ክወስዱ እንድሕር ደልዮም እዚ ኽገብሩ ከምዝኽእሉ ሓለዋ ጥዕና ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ። መንግስቲ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ እቲ ክትባት ብወለንታ ዝውሰድ እምበር ንኹሎም ኣብ ሞንጎ 5 ን 11 ዓመት ዘለው ህጻናት፡ ናይ ግድን ዝተኣወጀ ክትባት ከምዘይኮነ እዩ ኣብሪሁ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ቆልዑ፡ ብሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ብጣዕሚ ዝሓመሙሉ ግዜ ከምዘየለ ብምጥቃስ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ክፍጠር ዝኽእል ጎድናዊ ሳዕቤን ወይ ድማ ሳዕቤናት ዝፍለጥ ነገር የለን ክትብል ሚኒስተር ጥዕና ኢንግቪልድ ሸርኩል ኣፍሊጣ።

ነቶም ናእሽቱ ቆልዑ ዝዋሃብ ክትባት ብፍላይ ነቶም ሕዱርን ዝጸንሐን ሕማም ንዘለዎም ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዩ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ እዚ ዕድል’ዚ ነቶም ምስ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ዘድልዮም ቆልዑ ዝነብሩ ስድራ ቤታት ንዝነብሩ ወይ ድማ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ሃገራት ዝቕመጡ ኮይኖም ናይቲ መልከፍቲ ናይ ምስፍሕፋሕ ዕድል ልዑል ኣብ ዝኾነሎም ቦታታት ንዝነብሩ ወይ ድማ ጽሬቱ ዝሓለወ ሕክምና ኣብ ዘይብሉ ቦታ ንዝነብሩ ከምዝኾነ፡ ሸርኮል፡ ኣብሪሃ።።

ኩሎም ኣብ ክሊ ዕድመ 12ን 15 ዓመት ዝርከቡ ቆልዑ፡ እቲ 2ይ እብረ ክትባት ንኽወስዱ ሚኒስተር ጥዕና ኖርወይ፡ ይላቦ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com