Wednesday , May 15 2024

ኢጣልያ – ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ተዓጽዩ!!

ኣብ ኢጣልያ ደሴት ቺቺልያ ተደኲኑ ዝነበረ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ብወግዒ ከምእተዓጽወ ምንጭታት’ቲ ከባቢ ሓቢሮም። እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝነበረ ዝተገልጸ ትካል፡ ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ 4 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝነበሩዎ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ማቲዮ ሳልቪኒ፡ ኣብ ጽምብል ምዕጻው ናይቲ መዓስከር ብኣካል ተረኺቡ ከምዝነበረ ብተወሳኺ ተፈሊጡ። ኣንጻር ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ናይ ዘለዎ ሰልፊ ሕብረት የማናዊ ክንፊ ኢጣልያ መራሒ ዝዀነ ሳልቪኒ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጠቕሊሉ ክዕጾ ቀጻሊ ጸቕጢ ክገብር ከምዝጸንሐን ኣማስያኡ መደባቱ ከምዘተግበረን’ዩ ዝግለጽ።

ኢጣልያ ኣፍደገ ማእከላይ ባሕሪ ብምዃና፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዘምርሑ ስደተኛታት ብመንገዲ’ታ ሃገር ኣቢሎም ከምዝኣትዉን ብብዝሒ ስደተኛታት ዘማርሩ ኢጣልያውያን እናበዝሑ ከምዝመጽኡን ይግለጽ። ኣብ 2016 መሬት ኢጣልያ ዝረገጹ ብዝሒ ስደተኛታት 181 ሽሕ ከምዝነበረን ኣብዚ ዓመት’ዚ እቲ ቍጽሪ ዛጊት 3 ሽሕ ጥራይ ከምዘሎን ጸብጻባት የመልክቱ። ይኹን እምበር ኣብ ባሕሪ ናይ ዝሞቱን ደሃዮም ናይ ዘጥፍኡን ኣሃዝ ግን ናብ 15 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ’ዩ ዝግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com