Wednesday , May 15 2024
Officials of Felix Airways, a domestic airline, inspect a plane destroyed by Saudi-led airstrikes, at the Sanaa International airport, in Yemen, Wednesday, April 29, 2015. (AP Photo/Hani Mohammed)

ኣብ ል ዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ፡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ሰንዓ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ የመን፡ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ተፈን`ዩ፡፡ እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምክያዱ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ከባቢ ለቒቖም ንኽወጹ ተነጊሩዎም ከም ዝነበረ ድማ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን የመን ገሊጸን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ከባቢ `ቲ ማዕርፎ ነፈርቲን እታ ርእሰ-ከተማን ዝርከብ ቦታታት ድማ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቲ ተቖጻጺሮሞ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ጥቓ ስ ዑዲ- ዓረብ ዝርከባ መንግስቲ ዝቆጻጸረን ናይ መራኸቢ- ብዙሃን ኪባንያታት፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደ እቶም ተቓወምቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሚሳይላት ንምትዃስ ከም ባይታ ንኸይጥቀሙሉ ንዘሎ ናይ ሓደጋ ስግኣት ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ገሊጸን፡፡

ኣብ ቀዳመ- ሰንበት ኣብ ሰንዓ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ መኻዚኖታትን ናእሽቱ ፋብሪካታትን ብናይ ልፍንቲ ሓይልታት፡ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ውን ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ `ሎ፡፡

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com