Wednesday , May 15 2024

ኣብ መዓስከር መቐበሊ ስደተኛታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ዓይነት ናይ ውሕስነት ኣገልግሎት ይግበረለን?

ኣብ መዓስከር መቐበሊ ኣጋይሽ ስደተኛታት ዝርከባ ዑቕባ ዝሓታ ደቂ ኣንስትርዮ እኹል ናይ ሓለዋ ኣገልግሎት ከምዘይረኽባ ብዙሓን ተጣበቕቲ ወገናት ይሕብሩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እንታይ ክገብራ ይግባእ? ኣብ ናይ ሓባር መዓስከር መቐበሊ ስደተኛታት ክቕመጣ’ኸ ውሑስ ኮይኑ’ዶ ይስመዐን?

ሪታ ኦጆኒ ዝተባህለት ኣደ ክልተ ቆልዑ ዝኾነት ኬንያዊት ኣብ ጥቓ እቲ ትቕመጠሉ መዓስከር መቐበሊ ኣጋይሽ ስደተኛታት ሬሳኣ ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ኣብ ጀርመን ዓቢ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ። ሪታ ኦጆኒ ካብቲ ትነብረሉ ዝነበረት ናይ ሓባር መዓስከር ቅድሚ ምስዋራ ካብ ሓደ ስደተኛ ወዲ ተባዕታይ ብተደጋጋሚ ምፍርራህ የጋጥማ ከምዝነበረ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ዓቢ ተገዳስነትን ኣቕልቦን ረኺቡ ኣሎ። ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራት ምትሕግጋዝ ስደተኛታትን ድማ ገለ ካብተን ጉዱሳት እየን። ኣብ ናይ ሓባር መዓስከር መቀበሊ ስደተኛታት ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ውሑስ ዝኾነ ኣገልግሎት ከምዘይረኽባ እዘን ወገናት ይሕብራ።

ኣብ ጀርመን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከር መቀበሊ ስደተኛታት ነዊሕ ግዜ ክጸንሑ ከም ዝግደዱ ይፍለጥ።ኣብዚ ክራማት “ ጥርኑፍ ምምላስ” ወይ “ Organized Return Act “ ዝብል ሓድሽ ሕጊ ተኣዊጁ ኣሎ። እዚ ድማ እቶም መንእሰያት ስደተኛታት ክሳብ ሕቶ ዑቕባ መልሲ ዝዋሃቦም ካብቲ ዝተመደብሉ መዓስከር ንዓሰርተ ሸሞንተ ኣዋርሕ ከይወጹ ክጸንሑ ዝሕብር እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ሲሶ ናይቲ ጠቕላላ ድምር ሓተቲ ዑቕባ እየን። ካብ 2015 ክሳብ 2018 ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ጀርመን ካብ ዝርከቡ ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ ስደተኛታት እተን 35% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ምንጭታት ይሕብሩ። ሂወት ናይዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመን ከቢድን ሕልኽላኽ ዝመልኦን ምዃኑ ኣብ ዝተገብሩ መጽናዕታት ተሰኒዱ ይርከብ። ገለ ካብቲ ዘጋጥመን ጸገማት፡

1. ምስ ዕድላት ደቂ ተባዕትዮ ብምንጽጻር፡ ናይ ስራሕ ዕድላተን ብጣዕሚ ጸቢብን ድሩትን እዩ

2. ምስ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ስሩዕን ቀጻሊ ዝኾነ ርክባትን ዝምድናን ናይ ምፍጣር ዕድላተን ድሩት እዩ

3. ኣብ ናይ ሓባር መዓስከር መንበሪ ስደተኛታት ዝነብራ ብፍላይ ኣደ ቆልዑ ዝኾናን ንበይነን ዝቕመጣን ደቂኣንስትዮ ኣብ ውሑስ ሃዋሁ ስለ ዘይነብራ ኣደዳ ጭንቀት፡ ፍርህን ሽቑረራን ኮይነን ይርከባ።

ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጾታውን ኣካላውን ዓመጽ ኣብ ቀጻሊ ፍርህን ጸቕጥን ከም ዝርከባ ኣብ ማሕበር “ደቂኣንስትዮ ኣብ ስደትን መሓዙትን” እትነጥፍ ኤሊዛቤት ነጋሪ ዝተባህለት ትገልጽ። መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ስእነት ብሕታውነት ውሕስነት ከምዘይስመዐን ውን ገሊጻ። ንመብዛሕትኦም ስደተኛታት ጾታ ብዘይ ኣፋላላይ፡ ኣብ ናይ ሓባር መዓስከር መንበሪ ስደታኛታት ምንባር ዓቢ ብደሆ ከምዝኾኖም ይሕብሩ። እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ዝተፈላለየ ባህልን ስነምግባርን ዘለዎም ምዃኖም ኣብ ሓደ ሽነኽ፡ ቅድሚን ንጀርመን ክመጹ እንከለዉ ዘጋጠሞም ጸገማትን ዝፈጠረሎም ስነኣእምራዊ ጸቕጢ ከይኣክል፡ እኹል ዝኾነ ብሕታውነት ምስኣን ኣብቲ ካልኣይ ሸነኽ ተደማሚሩ ነቲ ሂወት ተወሳኺ ክብደት ፈጢርሉ ይርከብ። ኣሰራርሓ እቲ ንመቐበሊ ስደተኛታት ተባሂሉ ዝተሰርሐ ህንጻታት ንግጭት ዝዕድምን ነቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝፍጠር ምስሕሓብ ዘጋድድን እዩ ክብል ሳይሞን ኢለር ዝተባህለ፡ ሰራሕተኛ ናይ ኣብ ባቫርያ ዝርከብ “ንዘራረብ” ዝብል ፕሮጀክት፡ ስክፍትኡ ይገልጽ። ደቂ ኣንስትዮ እተን ዝያዳ ንጾታውን ኣካላውን ዓመጽ ዝተቓልዓ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እተን ብቐጻሊ ግዳያት ናይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ምዃነን እቶም ዝበዝሑ ክኢላታት ዝሰማምዕሉ ሓቂ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ዓመጽቲ ዝበሃሉ ካብቶም ስደተኛታት ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሓደ ሓደ እዋን ድማ ሰራሕተኛታት እቲ መዓስከር ዝኾኑ ንሓለዋን ጸጥታን ዝተዋፈሩ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ንጉዳይ ኣብ መንበሪ ስደታኛታት ካብ ዘጋጥሙ ምስሕሓባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ኣሰራርሓ ናይቲ መንበሪ ህንጻታት ሓደ ካብቲ ጠንቅታት ናይ ጾታውን ኣካላውን ዓመጻት ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ስደተኛታት ዝርከባ ክፍልታት እተን ዝወሓዳ ኣብ ውሽጠን ሽቓቕ ክህልወን እንከሎ፡ እተን ዝበዝሓ ክፍልታት ግን ሽቓቕ ስለ ዘይብለን እቶም ስደተኛታት ኣብ ናይ ሓባር ሽቓቕን መሕጸብ ነብስን ንኽጥቀሙ ብጸበብቲ መተሓላለፊ ኮሮድዩታት ኣቢሎም ከም ዝንቀሳቐሱ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ኣብ ገለ እዋናት ድማ እቲ ናይ ሽቓቕን መሕጸብ ነብሲ ቦታታት ወጻኢ ካብቲ መንበሪ ህንጻታት እዩ። ገለ ገለ መንበሪ ክፍልታት፡ ሽቓቓት ከምኡ ድማ መሕጸብ ነብሲ ብውሽጢ ክሽገጡ ዘይክእሉ ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ይሕብር።

“ዜና ስደተኛ” ዝተባህለ መደበር ምስ ብዙሓት ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታትን ምስ ካልኦት ክኢላታትን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ንኹነታት ኣብ መላእ ጀርመን ዝርከቡ መደበራት መቐበሊ ስደተኛታት ንምግላጽ ነቲ ዓመተ 2017 ኣብታ ዝዓበየት ዞባ ጀርመን ከም ዝኾነት ዝንገረላ ርያንወስቲቪል ዝተገብረ መጽናዕቲ መደበር መቐበሊ ስደተኛታት፡ ከም መወከሲ ናይዚ ዘለናዮ እዋን ተጠቂሞምሉ። ኣብ ዞባ ባቫርያ ዝርከባ መደበራት መቐበሊ ስደተኛታት ክፍልታተን ናይ ማዕጾ ሸጋጥ ከም ዘይብሉ ሳይሞን ሚለር ከም ኣብነት ይጠቕሶ።

ሕቶ ዑቕባ ብኣሉታ ንኽይጽሎ ዘስዓቦ ስቕታኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ጋዜጣታት ጀርመን ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ግፍዒ ዓቢ ኣቓልቦ ሂበን ኣብ ቀዳማይ ገጻተን ኣስፊረንኦ እየን። ኣብ ልዕሊ ጓል 40 ዓመት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ብኽልተ መንእሰያት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽን ምግሳስ ኣብ መቐበሊ ስደታኛታት ኣይዘንሁተኒስታድትን ብሰንኪ ንሓንቲ ዑቕባ ትሓትት ስደተኛ ጓል ኣንስተይቲ ብኣረሜናዊ ኣገባብ ብምግሳሱ ንሽውዓተ ዓመት ዝተፈርደ ዑቕባ ዝሓትት ስደተኛ መንእሰይ ኣብ ጀይሰን ከም ኣብነት ናይቲ ኣብ ዓምድታተን ዘስፈረኦ እዩ።

ስደተኛታት ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ኣይኮነን ነቲ መዓልታዊ ዘጋጥም ናይ ጾታዊ ዓመጽ በደላት ዝፍጽምዎ። ሰራሕተኛታትንኣባላት ሓለዋ መዓስከር ስደተኛታት ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ውን ነጻ ኣይኮኑን። ነብስና ኣብ ንሕጸበሉ እዋናት፡ ኣባላ ሓለዋ ይኹኑ ሰራሕተኛታት እቲ መዓስከር ናብቲ ንሕጸበሉ ቦታ ብሃንደበት ይኣትዉ። ጥራይና እንከለና ንኽርእዩና እዩ ዝመስል ኣመጻጽአኦም ክብላ ክልተ ካብ ሓተቲ ዑቕባ ዝኾና ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ንመደበር ፈነወ ባቫርያ ምስክርነተን ሂበን።

ቁጽሪ ናይተን ብጾታዊ ዓመጻት ዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ዝፍለጥ ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ጸብጻበት ስለዘይለዘይኮነስ እተን ዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጠመን ከካፍላ ወይ ድማ ክዛረባ ፍቓደኛታት ብዘይ ምዃነን እዩ። ብዙሓት ዝተፈጸሙ ጉዳያት ናይ ጾታውን ኣካላውን ዓመጻት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ እተን ግዳያት ዘጋጠመን በደላት እንተ ኣዘንቲየን ነቲ ዝዓበየ ጉዳይ ኢለን ዝሓስበኦ ሕቶ ዕቁባ ብኣሉታ ንኸይጸልዎ ስለ ዝሰጋኣ ምዃነን ኣፈኛ ኮንስል ስደተኛታት ኣብ ዛርላንድ ን ንማዕከን ዜን ስደተኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

ሕጋዊ ኩነታት’ከ ?

ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት ንዝካየድ ጾታዊ በደላት ኣመልኪቱ ዝተወሰነ ንጹር ዝኾነ ሕጋዊ ስጉምቲታት የለን። ኣብ2013 ግን ኤውሮፓዊ ሕብረት ነተን ኣባላት ሃገራት መምርሒ ንጉዳያት ሕቶ ዑቕባ ዝሓቱ ኣውጺኡለን ነይሩ። እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ነቲ ዘጋጥም ጾታዊ በደላትን ዓመጻትን ኣቐዲምካ ንምግታእ ዝሕግዙ ምድላዋት ክገብራ ከምዘለወን ዘዘኻኽር እዩ። ኣብ ጀርመን ኣብ መዓስከራት መቐበሊ ስደተኛታት ሓይሊ/ ግጭት ክልኩል ምዃኑ ዝሕብር መምርሒታት ወጺኡ። እንተኾነ እዚ መምርሒ’ዚ ብቐጻሊ ስለዝጠሓስ ኣድማዒ ከምዘይኮነ እዩ ዝንገር። እዚ ስለዝኾነ ድማ እዩ ኣብ ጀርመን ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ዝተፈላለየ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣተሓሕዛ ዘለወን። ኣብ ገለ መዓስከራት እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸ ውሕስነት ዘለዎ ሂወት ይመርሓ። እዚ ድማ ብጽዑቕ ጻዕሪታት ሰራሕተኛታትን ውፉያትን ዝተረኽበ እዩ። እተን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ መዓስከራት መቐበሊ ስደተኛታት ብፍላይ እተን ሓዳር ዘይብለን ኣብ ሓደ ህንጻ ምስ ደቂ ተባዕትዮ እሞ ከኣ ኣብ ሸጋጥ ዘይብሉን እኹል ዝኾነ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣገልግሎት ዘይብሉ ቦታታት ይሰፍራ ከም ዘለዋ ይንገር።

ውሕስነት እንተ ዘይተሰሚዑኪ ኮይኑ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ?

ብመሰረት ማዕከን ዜና ስደተኛ ምስ ገለ ክኢላታት ዝገበሮ ዝርርብ፡ እተን ግዳያት ይኹን ውሕስነት ዘይስመዐን ደቂኣንስትዮ ምስ ኣብቲ መዓሰከር መቐበሊ ስደተኛታት ዝርከብ ናይ ስነ ማሕበራዊ ክኢላ ክዘራረባ ይግባእ። ከም ተወሳኺ ድማ ከም በዓል “ዘ ሎካል ሻብተር ኦፍ ካሪታስ”፡ ዲያኮኒን ቀይሕ መስቀል ናይ ጀርመን ዝኣመሰላ ማሕበራት ሓገዘን ክልግሳ ይኽእላ እየን።

ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ኣብ ዘድልየን እዋን ናብ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት ( እዛ ገጽ እዚኣ ኣደናይተን ኣብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዞባታት ዝርከባ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ዘጠቓለለት እያ።) ብምድዋል ናብ ክሕገዛሉ ዝኽእላ ውሽጣውያን ማሕበራት ክምራሓሉ ዝኽእላ መንገዲ እዩ።

እዚ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ዘሎ ቁጽሪ ቴሌፎን፡ ሓገዝ ኣንጻር ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝብል ስም ዘለዎ ኮይኑነተን ግዳያት ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ምኽሪን ማዕዳን ብ 17 ቛንቛታት እንግሊዝኛ፡ ፈረንስኛ፡ ዓረብኛን ፋርስኛ ዘጠቓለለ ኣገልግሎት ይህብ። 016 116 08000 ኣብ ልዕለኺ ገበን ዝተፈጸመ ግዳይ እንተድኣ ኮንኪ፡ ቁጽሪ ቴሌፎን ህጹጽ ረዲኤት ፖሊስ ጀርመን 110 እዩ።

እዚ ዜና ምስ DWብምትሕብባር ዝተዘርገሐ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com