Wednesday , May 15 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ኣብ ሰራዊት ሽወደን ክቕጽሉ ዝደልዩ ኣባላት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እናነከዩ መጺኦም።

ብምኽንያት ልዑል ረቛሒታት ኣብ ሰራዊት ሽወደን ምስራሕ ክቕጽሉ ዝደልዩ ኣባላት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እናነከዩ ምምጽኦም ተገሊጹ። ኣብ ክንዲዚ ብዙሓት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝወድኡ ሰባት ተጣዪሶም ዶክተራትን ሲቪላዊ መሃንድሳትን ክኾኑ ከም ዝመርጹ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።

“ኣብ ዝተናውሐ ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ክኾኑ ዝደልዩ ከነትርፍ ከድልየና እዩ” ክብል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን ሚካኤል ባይደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com