Wednesday , May 15 2024

ኣብ ሽወደን፡ ናይ ዝተተምየኑ ፓስፖርታት ቁጽሪ ወሲኹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ሽወደን ን450 ዝተተምየኑ ፓስፖርታት ከምዝወረሰን እዚ ቁጽሪ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሬድዮ ኢኮት ኣቃሊሑ። ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ፡ እዞም ከምዚኦም ዓይነታት ፓስፖርታት ኣብ ገበናት ዘይሕጋዊ ፍልሰት ዝጥቀምሎም ኮይኖም ገለ ካብቶም ፓስፖርታት ዝተተምያኑ ክኾኑ ከለዉ ገለ ድማ ጥዑያት ፓስፖርታት ኮይኖም ካልኦት ሰባት ዝጥቀምሎም እዮም።

እዚ ዝተረኽበ ብዝሒ ብሳላ ቀጻሊ ዝኾነ ምምዕባል ናይ መሳርሒታትን ምምዕባል ዓቕሚ ኣባላት ምቁጽጻር ፓስፖርታትን ከም ዝኾነ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ፖሊስ ሽወደን ኣብ ስርሑ ዘርእዮ ዘሎ ምምሕያሻት ዓቢ ምዃኑን ንዝተተምየኑ ፓስፖርታት ናይ ምልላይ ዓቕሙ ክብ ኣብሊዎ ከምዘሎ ሓላፊ ፖሊስ ጨንፈር ሃገራዊ ዶባት፡ ፒር ሉዊንበርግ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com