Tuesday , May 14 2024

ኣብ ሽወደን፡ ክታበት ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ኣቋሪጹ

ኣብ መስርሕ ምጉዕዓዝ ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ጸገማት ከም ዝተፈትሩ፡ ሓያሎ ምምሕዳራት ሽወደን ሓቢረን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እቲ መዝሓሊ ብምብልሻዉን ኣብ ካልኦት ኣጋጣሚታት ድማ መጠን ሙቐት ናይቲ መዝሓሊ ትሕቲ እቲ ኣድላይ ዓቐን ምንባሩ ተገሊጹ።

ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት ቀዳማይ እብረ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ናይ ኩባንያ ሞደርና፡ ተወጊኦም ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ሰባት ከም እንደገና ናይ ምኽታብ ተኽእሎታት ክህልዎም ድዩ ኣይክህልዎምን ፍሉጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ክራኸብዎም ምዃኑ ወሃብ ቃል Apoteket፡ ማግኖስ ፍሪስክ፡ ሓቢሩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ምምሕዳር ያቭለቦሪ፡ ሃላንድ፡ ቬርምላንድ፡ ዳላርናን ኦስተርዮትላድን ካብቲ ብመንገዲ Apoteket ዝተጓዓዘ እሞ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ዛሕሊ ዝረኸበ ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ 2100 ዶዝ ከምዝተረከባ ይፍለጥ። በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ነዚ ኣብ ትሑት መጠን ዛሕሊ ዝተጓዓዘ ጸረ ኮሮና ክታበት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደገኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ ኣሎ።

ምኽንያት ናይቲ ኣብ ምጉዕዓዝ ዘጋጠመ ጸገማት ንምፍላጥ ምጽራይ (መርመራ) ተጀሚሩ ከምዘሎን እተን ዝተረፋ ዶዛት ድማ ካብ ጥቕሚ ደው ኢሉ ከም ዝቋረጽ ኮይኑ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com