Wednesday , May 15 2024
Credit: Hanna Franzén/TT

ኣብ ሽወደን ተደለይቲ ሜታላት ኣብ ትሕቲ መሬት ብብዝሒ ከም እተረክቡ ተገሊጹ።

ኣብ ሰሜን ሽወደን፡ ኣዝዮም ተደለይቲ ሜታላት ብብዙሕ መጠን ኣብ ትሕቲ መሬት ከም እተዳህሰሱ ተገሊጹ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብመንግስቲ ሽወደን ዝውነን ኲባንያ ዕደና (LKAB)፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ከተማ ኪሩና፡ ኣዝዩ ብዙሕ መጠን እዞም ሜታላት ከም እተረኽበ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ብኣህጒር ኣውሮጳ ደረጃ ዓብዪ ዜና ኮይኑ’ሎ። እዞም ሜታላት፡ ብ ጸዓት ኤለትሪክ ዝሰርሑ ተሽከርከርቲ ሓዊስካ፡ ካልኦት ኣገደስቲ ቲክኖሎጂያዊ ምህዞታት ንምስራሕ ወሰንቲ ምዃኖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።

“እዚ ብደረጃ ኣውሮጳ ኣገዳሲ ተረኽቦ እዩ” ክብል ኣብ “ማእከል ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ሽወደን” ነባር ክኢላ ስነ-ምድሪ ኤሪክ ጆንሰን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com