Wednesday , May 15 2024

ኣብ ሽወደን ንሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ኣሳላፊት ንምዕያይ ዝተገብረ ፈተነ ዕውት ኮይኑ።

ካብ ቤት መግቢ ናብ ዓማዊል መግቢ ጽዒና እተሰልፍ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዕዉት ፈተናኣ ምፍጻማ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሰናስን ሊንሾፒን ዝተፈጸመ ፈተነ “ኣብ ሓጺር ርሕቀት ዝተፈተነ” እኳ እንተኾነ ኣብ መስርሕ ፈተነ እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ድማ ተባሂሉ።

እቲ ዝዓበየ ብድሆ ተመራመርቲ ሓደ ቴክኒካዊ ፍታሕ ምድላው፥ ምፍታንን ካብ ኤጀንሲ ትራንስፖርት ሽወደን ፍቓድ ምርካብን ከም ዝነበረ ድማ ተገሊጹ። “ድሕነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣካል ናይዚ ልምምድ ብምንባሩ እዚ ንምርግጋጽ ኣማኢት ስርሒታት ኢና ኣካይድና” ክብል ተመራማሪ ራሙስ ሉንድቪስት ሓቢሩ። ትካል RISE ሓድሽ ውሑስ ስርዓተ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ምትእትታዉ ድማ በቲ ኣጋጣሚ ናእዳ ከምዝረኸቨ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com