Tuesday , May 14 2024

ኣብ ሽወደን ንጸረ-ነፍሳት ዝቃወም ባክተርያ ከም ዝተራእየ መራኽብታት ህዝባዊ ማእከል ጥዕና ሓቢሮም።

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ዓይነት ባክተርያ ንጸረ-ነፍሳት ዝቃወም ዓቕሚ ከምዘጥረዩ ካብ ህዝባዊ ማእከል ጥዕና ዝተዘርግሑ ጽሑፋት ይሕብሩ። ካብቶም ዓሚ ዘጋጠሙ ተርእዮታት ሎሚ ዘመን ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ብ350 ተርእዮታት ብምዝያዶም ክሳብ 12778 ተርእዮታት ከምዘጋጠሙ እቶም ካብ ማእከል ጥዕና ዝትረኽቡ ኣሃዛት ይሕብሩ። ናብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ እንምለስ እዚ ከምዚ ዓይነት ወስኽ ናይ ተርእዮታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ብንጹር ከምዝተራእየን ክቕጽል ከምዝኽእልን ሓላፊ ኣሃዱ ጸረ-ንፍሳትን ሓለዋ ጥዕናን፡ ማሊን ገሪብ፡ ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ባክተርያ ናይ ተቓውሞ ዓቕሞም እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ከጋጥሙና ዝኽእሉ ሽግራት ድማ እናዓበዩ ክኸዱ ምዃኖምን ኣብ ዕዳጋታትና ድማ ውሑድ ዓቕሚ ጸረ-ነፍሳት ዘለዎም መድሃኒታት ይኣትዉ ከምዘለዉ እቲ ናይ ጥዕና ትካል ኣብሪሁ።. ብኸቢድ ረኽሲ ዝተጠቕዐ ሰብ ተሰካሚ ናይ ልዕሊ ሓሙሽተ ንጸረ-ነፍሳት ክቃወሙ ዝኽእሉ ዓይነታት ባክተርያ ኮይኑ ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ።. ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ምስ ናይ ጸረ-ነፍሳት ምቅዋም ብዝተታሓሓዘ ጉዳያት ኣብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ጥራይ ልዕሊ 33000 ናይ ሞት ኣጋጣሚታት ተራእዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com