Wednesday , May 15 2024
Saudi journalist Jamal Khashoggi was murdered in the fall of 2018 at the Saudi Consulate in Istanbul, Turkey. (AP Photo/Hasan Jamali, File) NYDK502

ኣብ ቕትለት ጅማል ኻሾጊ፡ ኢድ ኔርዎ ዝተባህለ ዝጥርጡር ሰብ ተታሒዙ

ኣብ ቕትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ኢድ ኔርዎ ተባሂሉ ዝጥርጠር ሰብ ኣብ ፈረንሳ ከም እተታሕዘ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኻልድ ዔድ ኣልጠይቢ ዝተባህለ ሱዑዳዊ ዜጋ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቻርለስ ደ ጎል ፓሪስ እዩ ትማል ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ክብሉ ምንጪታት ፖሊስ ሓቢሮም። ብቱርኪ ካብ ዝህደኑ ዘለዉ 26 ስዑዳውያን ሓደ ምዃኑ እኳ እንተተገልጸ፡ ስዑዳውያን ሰብመዚ ግን፡ ኣልጠይቢ ብጌጋ ተቐዪዱ ምህላዉን ኲሎም ኣብዚ ገበን ዝተሓባበሩ ሰባት ኣብ መሬት ስዑዲ ዓረብ ከም ዝርከቡን ገሊጹ’ሎ።

33 ዝዕድሜኡ ኣልጠይቢ፡ ኣቐዲሙ ሓለዋ ንግስነት እታ ሃገር ዝነበረ ምዃኑ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ፡ ቀንዲ ነቓፋይ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኮይኑ ብ 2018 ኣብ እስጣንቡል ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ከም እተቐትለ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com