Wednesday , May 15 2024
A man looks at destroyed building, in Bozkurt town of Kastamonu province, Turkey, (AP Photo) ANK101

ኣብ ቱርኪ፡ ብሰንኪ ዝናብ፡ 70 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ፡ ሰሜን ቱርኪ፡ ብሰብኪ ዝናብ፡ ብዙሓት ከተማታት፡ ጽርግያታት፡ ህንጻታትን ድልድላትን ከምዝፈረሱን ብውሑዱ ድማ 70 ሰባት ምሟቶምን 47 ሰባት ድማ ተሳኢኖም ከምዘለው EFE ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከምዝገለጸ፡ ተተ ሓቢሩ።

መብዛሕትኦም ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ፡ ካብታ ኣብ መንጎ ኣንካራን ጸሊም ባሕርን እትርከብ ምምሕዳር ካስታሞኑ፡ ከምዝኾኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣስታት 40 ዓድታት፡ ብዘይ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከምዘለዋ፡ ኣብ ገሊአን ድማ ኣገልግሎት ማይ ኣቋሪጹ ከምዘሎ ሰብ መዚ’ታ ሃገር ሓቢሮም።

እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ምስቲ ኣብ ደቡብ’ታ ሃገር ኣጋጢሙ ዝቐነየ፡ ሂወት ሸሞንተ ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ የጋጥም ከምዘሎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com