Wednesday , May 15 2024

ኣብ ናይጀርያ፡ ዕሸላትን ሓካይምን ተጨውዮም

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ፡ ከተማ ዛርያ፡ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ዕጡቓት ድሕሪ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ዕሸላትን ነርስታትን ተጨውዮም ከምዘለዉ መደበር ዜና እቲ ሃገር ሓቢሩ።

ቊጽሪ ዝተጨውዩ ሰባት ክንደይ ምዃኑ ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለን እዞም ዕጡቓት ኣብ መደበራት ፖሊስን ማእከል ቲቢን ደዌን መጥቃዕቲ ብምክያድ ናብ ጫካታት ተሰዊሮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ግዳያት ንምርካብ ኮለላኡ ኣስፊሑ ይቕጽል ምህላዉ መንግስቲ እቲ ዞባ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ካዱና፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ዕጡቓት ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ኣብ ናይጀርያ ሰብ ጨዊኻ በጃ ምሕታት፡ ልሙድ እናኾነ ምምጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com