Tuesday , May 14 2024
Emergency workers survey damage in Melbourne, Australia (James Ross/AAP Image via AP) MEL805

ኣውስትራልያ፥ ኣብ መልበርን ምንቅጥቃጥ መሬት ተኸሲቱ

5.9 ረክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራልያ ከም እተኸስተን በዚ ድማ ኣብ ህንጻታት መልበርን ጒድኣት ከም ዝወረድን ቢቢሲ ሓቢራ።

እዚ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ከባቢ ሰዓት 9:15 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማንስፊልድ ጥቓ ርእሰ ከተማ ምምሕዳር ቪክቶርያ ከም እተኸስተን ተገሊጹ። ራዕዲ ናይዚ ምንቅጥቃጥ፡ ክሳብ ደቡባዊ ኣውስትራልያን ዌልስን ከም እተሰምዐን፡ ድሒሩ ድማ 4ን 3.1 ሬክተር ዝዓቐኖም ምንቅጥቃጣት ከም ዝሰዓቡን እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ።

እዚ ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ እተኸስቱ ምንቅጥቃጣት እቲ ዝዓበየ እኳ እንተኾነ ዓቢ ክሳራ ከም ዝየኸተለ ተሓቢሩ። ሞሪሰን ካብ ኣሜሪካ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ኣውስትራልያ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ክንድቲ ዝውቱር እኳ ኣይዂን፡ ብዙሕ ሻቕላ ዝፈጥር ክስተት እዩ” ኢሉ።

ኣገልግሎት ስቴት ኢመርጀንሲ፡ ተቐማጦ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com