Tuesday , May 14 2024
(Peter Byrne/PA via AP) WRC813

ኦሚክሮን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ምዕብላሉ ‘ኣዝዩ ዝገርም ፍጻመ’ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ረሳሕ ፈሳሲ ማይ ዝርአ መጠን ናይ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣዝዩ ሃንደበታዊ ወሰኽ ዘርኣየ ኮይኑ፡ እቲ ኦሚክሪን ተባሂሉ ዝፍለጥ ጅር ድማ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይታ ሃገር፡ ነቲ ደልታ ዝባሃል ጅር ፈጺሙ ከም ዝዓብለሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ዝተቓለሐ፡ ብመሰረት እቲ ውጽኢት ናይቲ SEEC ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ምርምር ማእከል ምስ SLU፣ KTH፣ ካሮኒሊስካ ኢንስትዩትን ኡፕሳላ ዩኒቨርሲቱን ብሓባር ድሕሪ ዝገበሩዎ መጽናዕቲ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ኣብቲ ማይ ዘሎ መጠን ናይ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ኩሎም እቶም ብ SEEC መርመራ ዝተገብረሎም ቦታታት እንዳወሰኸ ምምጽኡን እዚ ወሰኽ’ዚ ድማ ካብቲ ካብ እዋን ክሪስትማስ ዝነበሮ መጠን፡ ኣዝዩ ርኡይ ዝኾነ ምውሳኽ ከምዘርኣየ እዩ ተፈሊጡ። ካብቶም መርመራታ ዝተገብረሎም ከባቢታት፡ ስቶክሆልም፣ ማልመ፣ ኡፕሳላ፣ ኦሬብሩ፣ ኡመዮ፣ ካልማር፣ ኢንሾፒንግን ክኒቪስታን ይርከቡዎም።
እዚ ፍጻመ ናይ ኦሚክሮን፡ ብፍላይ ኣብ ኡመዮ፣ ኡፕሳላ፣ ኦሬብሩን ካልማርን ኣብ ሞንጎ መበል 50 ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ዓመትን ኣብ ወርሒ ክልተ ናይዚ ዓመትን ተጻርዩ ዝተመዝገበ መጠን ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣብ ኡመዮ፡ እቲ መጠን ናይ ኦሚክሮን ኣብ ሞንጎ ሰሙን መበል 50ን ቀዳማይ ሰሙንን ኣብ ዝተገብረ መርመራ ካብ ባዶ ናብ 100% ከም ዝዓረገ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ኡፕሳላን ኦሬብሩን ድማ እቲ መጠን ኣብ ካልኣይ ሰሙን ከምዝተመዝገበ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ካልማር ጥራሕ እዩ እቲ ናይ ደልታ ጅር ክልለይ ብዝኽእል መጠን ኣብ መበል ካልኣይ ሰሙን ክምዝገብ ዝተኸኣለ።
“እቲ ኦሚክሮን ብኸመይ ዝኣመሰለ ቅልጣፈን ፍጹም ዝኾነ ዓብላላይነትን ነቲ ሓደ ጅር ከምዝዓጻጸፎ ምርኣይ ኣዝዩ ዘስደምም ፍጻመ እዩ” ክትብል ተመራማሪት ናይ SLU ዝኾነት ማያ ማልምበሪ ብዛዕቢ እዚ ጉዳይ ኣብ ዝተሳለጠ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com