Tuesday , May 14 2024
Jessica Gow / TT kod 10070

ካርልሰን፡ ስትራተጂ ሽወደን ዕዉት እዩ እንተኾነ ፖለቲከኛታት ብሞት ዜጋታት ክሕተቱ ኣለዎም።

ካርልሰን፡ ስትራተጂ ሽወደን ዕዉት እዩ፡ ናይ 90ታት ፖለቲከኛታት ብሞት ኣረጋውያትን ተሓተቲ እዮም ብምባል ቅሬትኡ የስምዕ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቁጽጻርን ንምግታእ ተባሂሉ ሽወደን፡ ፍልይ ብዝበለን ናይ ነዊሕ ውጽኢት ዝዓለመን ህዝቢ ዘሳትፍ ስትራርትጂ ተጠቂማ ጽቡቕ ዝኾነ ውጽኢት ትረኽበሉ ከምዘላ ሓላፊ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝኾነ ዮሃን ካርልሶን ሓቢሩ። መብዛሕትኦም ዝተጠቀምሉ ኣገባባት፡ ንኣንፈት ውጽኢቱ ይኹን ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘለዎ ጽልዋታት ዘስዕቦ ዜቤታዊ ጎነጽን ንጹር ዝኾነ ኣፍልጦ ከይሓዙ ከምዝተግበርዎ ካርልሰን ሎሚ ምስ ኣፍቶንብላደት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ሽወደን ትኽተሎ ስትራተጂ ብህዝቢ ዓቢ ተቐባልነት ረኺቡ ከምዘሎ ካርልሶን ኣረጋጊጹ። ንድሕነት ኣረጋውያን ብዝምልከት፡ መንግስቲ ሽወደን ፍሽለት ኣጋጢምዋ’ዶ ንዝብል ሕቶ ከምዚ ክብል መሊሱ፡ ኣብ መናበይ ዓበይቲ ዝርከቡ ኣረጋውያን ብዙሕ ናይ ሞት ተርእዮታት ኣጋጢምዎም እዩ። እዚ ድማ ብጣዕሚ ዘሕዝን ኩነት እዩ። ስርዓተ ምርዋይ ሽወደን (Swedish luxury system) ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝግባእ ከመሓድሮ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነ ዝኣክል ምድላዋት ውን ከይገበረ ጸኒሑ። ናይዚ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ቀንዲ ተሓተቲ ዝኾኑ ኣካላት ግን እቶም ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ዘይኮኑ፡ እቶም ኣብ መጀመርያ 90ታት ሓላፍነት ናይ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ካብ ኣሃዱ ጥዕና ናብ ምምሕዳራት ዘሰጋገሩ ፖለቲከኛታት እዮም።

ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ፡ ዝለዓለ ኣቓልቦ ንኣሃዱ ጥዕና ብምሃቡ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝምደቡ ሰባት ትሑት ዝኾነ ኣካዳምያዊ ዓቕሚ ዘለዎምን ብግዝያውነት ዝቑጸሩ ሰባት ጌርካ ከም ዝካየድ ብምግባር፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ጨንፈር ክዳኸም ጸኒሑ ክብል ካርልሶን መሊሱ። ምስተን ናይ ኖርዲክ ሃገራት ክወትወዳደር እንከላ፡ ሽወደን፡ ዝለዓለ ቁጽሪ መጠን ሞት ኣለዋ። እተን ምሉእ ብምሉእ ሃገረን ዝዓጸዋ ግን ከቢድ ናይ ሂወት ዋጋ ክኸፍላ ምዃነን ካርልሰን ብምውሳኽ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com