Wednesday , May 15 2024

ካብ ዘኽታም ስደተኛ፡ ናብ ሽወደናዊ ኮኾብ ሙዚቀኛ

ዮሃና ንመንእሰይ ቶሳ ሺዛ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ውድድር ደርፊ ሽወደን ዘመገቦ ዓወት፡ ሕጂ ድማ ንሽወደን ወኪሉ ኣብ ውድድር ደርፊ ኤውሮፓ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ንሃገረ ሽወደን፡  ወኪሉ ሓደ ስደተኛ ኣብ ኤውሮፓዊ ውድድራት ከተሳትፍ ምኽኣላ፡ ነቲ ትኣምነሉን ትሰርሓሉን ምውሓስ መሰል ሰብኣውነትን ማዕርነትን ዘንጸባርቕ እዩ፡ በዚ ኣጋጣሚ፡ ንሃገረ ሽወደን፡ ዮሃና ክብል ማዕከን ሓበሬታ ኣልኮምፒስ ዓረብያ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣቃሊሑ።

ናይ ሕጂ መንእሰይ ቶሳ፡ ብህጻኑ እንከሎ ካብ ሃገሩ፡ ኮንጎ፡ ከም ነፍሲ ወከፍ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ህጻን፡ ብዘይ ስድራቤቱ እዩ ናብ ሽወደን መጺኡ እተን ቀዳሞት ዓመታት፡ ኣብ ኖራን (Nora) ቬስትሮስን (Västerås) ኣሕሊፍወን። ካብ ዓመተ 2015 ጀሚሩ ድማ ኣብ ሓንቲ ኣብ ጥቓ ምምሕዳር ከተማ ዳላርና (Dalarna) እትርከብ ንእሽቶ ኩልስቢዮርከን (Kullsbjörken) ዝተባህለት ዓዲ፡ ብሓንቲ ሽወደናዊት ስድራቤት እናተናበየ ይነበር ኣሎ።

ኣብ 10 ሚያዝያ 2020 ድማ ቀዳመይቲ “Before you go” ትብል ደርፊ ብቋንቋ ሽወደን ዝደረፋን ዘሕተማን እያ።

ኣብ ውድድር ደርፊ ሽወደን፡ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ደራፋይ፡ ካብ ፈለስጢናዊ ኣቦን ሽወደናዊት ኣደን ዝውለድ፡ ኤሪክ ሰዓዳ፡ ዝተባህለ ምዃኑ ይፍለጥ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com