Tuesday , May 14 2024
Damage caused by heavy rains and mudslides earlier in the week is pictured along the Coquihalla Highway near Hope, British Columbia, Thursday, (Jonathan Hayward/The Canadian Press via AP) JOHV101

ካናዳ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ትእውጅ

ብሰንኪ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ካናዳ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ ዝተኸስተ ዕልቕልቕ፡ ጽርግያትታን መንገዲ ባቡርን ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ብምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምትሕልላፉ ተገሊጹ።

ሰራዊት እታ ሃገር፡ ካብ ሰንበት ንደሓር ብሰንኪዚ ብርቱዕ ዕልቕልቕ ኣብ ቤቶም ንዝተዓግቱ ኣሽሓት ዜጋታት ከድሕን ተዋፊሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጃስቲን ትሩዶ፡ ናብ ዋሺንተን ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ሓገዝ እታ ሃገር ምሕታቱ ቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ’ላ።

ዛጊት ኣሽሓት ሰባት ካብቲ ሓደጋ እተኸስተሉ ከባቢ ናብ ካልእ ክግዕዙ ተጌሩ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ጠንቂ ናይዚ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ምልዋጥ ክሊማ ምዃኑ ንክኢላታትን ሰብመዚን እታ ሃገር ብምጥቃስ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ብሰንኪ ምልዋጥ ክሊማ ላዕለዋይ ጽፍሒ ማያዊ ኣካላት ምስ ዝውስኽ ንማዕበላትን ህቦብላን ምኽንያት ከም ዝኸውን እዮም እቶም ክኢላታት ዝገልጹ።

ድሕሪ ምጅማር ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ዓለምና ብ 1.2°C ሙቐት ወሲኻ ምህላዋ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብሰንኪ እዚ ዕልቕልቕ ብዝተኸስተ ምንሽርታት ምድሪ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ምሟታ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com