Wednesday , May 15 2024

ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ንሃብታማት ሃገራት ዘቐደመ ብምዃኑ፡ ኣብ ድኻታት ሃገራት ሻቕሎት ይፈጥር።

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ዓለም ዝወረደ ማህሰይቲ ነንበይኑ እኳ እንተኾነ ፡ ንዕኡ ንምፍዋስ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ክታበት ንሃብታማት ሃገራት ዘቐደመ ብምዃኑ ፡ እተን ብቁጠባ ዝደኸማ ድኻታት ሃገራት፡ እቲ ክታበት ክበጽሐን ዝኽእል እዋን ክደናገይ እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ዓለምለኻዊ ኪኢላታትን ተመራመርትን ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ዋጋ ናይቲ ክታበት ክቡር ብምዃኑ ከምኡ’ውን እቲ ፍርያት ብመጠን እቲ ዋግኡ ንዝኸፈላ፡ ቀዳምነት ስለ ዝህብ፡ ሃብታማት ሃገራት ወይ ብልግሲ ወይ ከኣ ካልእ መንገዲ ሓገዝ እንተዘይተገሩ፡ ናብ ድኻታት ሃገራት ናይ ምብጻሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ከም ዝኸውን ስግኣት የሕዲሩ ኣሎ። ከም ዝፍለጥ ኣብ ትሕቲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝመሓደር፡ ነዚ ሽግር እዚ ንምብጻሕ ሃብታማት ሃገራት ዘታሓባብር፡ ኮቫክስ ዝተባህለ ማዕከን ምሕባሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com