Tuesday , May 14 2024

ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ብ ሓሶት ፍቃድ ስራሕ ዝሸጡ ዜጋታት ይኸስስ!!

ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ንመልመልቲ ዜጋታት ሽወደን ንዘይኮኑ ሰባት “ፍቓድ ስራሕ ትሸጡ ኣለኹም” ብዝብል ይኸሶም። ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ብዙሓት ኲባንያታት ምልመላ ኣብ ምትላል ዝተመርኰሰ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ ይስዕባ ምህላወንን ናይ ሓሶት ስራሕ ብምቕራብ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቡ ይገብራ ምህላወንን ብምምልካት ወቒሱወን።

ካብዚ ዘይሕጋዊ ስርሒታት እዘን ኲባንያታት ብዙሕ ገንዘብ ይረኽባ ምህላወን እውን ኣብቲ ክሲ ተመልኪቱ’ሎ። ሬድዮ P4 ሮረብሮ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሚእቲ ካብ ዝኾኑ ናይ ኢሚግሬሽን ውሳነታት እቶም ሲሶ ዝኾኑ ናይ ምንጻግ ውሳነታት ምስ ናይ ሓሶት ፍቓድ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ እዮም ክብል ኣቃሊዑ’ሎ። ኣብ ኣገልግሎት ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሓላፊ ፍቓድ ስራሕ ኤሪክ ሆልመር ነታ ሬድዮ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሰባት በዘን ኲባንያታት ገንዘብ ብምሃብ ናይ ሓሶት ፍቓድ ስራሕ ከውጽኣሎምን ብቐሊሉ ናብ ሽወደን ክኣትዉን ይግበር ኣሎ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ውዲት ብስምምዕ ከም ዝካየድን ምኽፋል ግብሪ እውን ከም ዘጠቓልል እውን ተመልኪቱ’ሎ። በዚ ናይ ምትላል ኣገባብ ምኽንያት ጽላት ሽቕለት ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ምህላዉ ኤሪክ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com