Wednesday , May 15 2024

ዜጋታት ሶርያ ናብ ሃገሮም ብምብራር ሽወደን ፋልመይቲ ኣውሮጳዊት ሃገር ክትከውን ከም እትኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ብመሰረት ሕጋዊ ኣማኻሪ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ውዱቕ ዝኾነ ዜጋታት ሶርያ ናብ ሃገሮም ብምብራር ሽወደን ፋልመይቲ ኣውሮጳዊት ሃገር ክትከውን ከም እትኽእል ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ነሓሰ 29 2019 ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ኣብ ጒዳይ ሶርያ ሓድሽ ሕጋዊ ቅዋም ሒዙ ምምጽኡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ካብ ግዝኣታት ሶርያ ካብ ግርጭት ናጻ ምዃኑን በዚ ድማ ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ሶርያውያን ብሕጊ ናብ ሶርያ ክባረሩ ዝገብርን ኣገባብ ምስላጡን ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ዳይረክተር እዚ ንድፊ ሕጊ ነቶም ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ዝረኸቡ ሶርያውያን ኣይምልከትን እዩ። “በዚ ውሳነ ዝጽለዉ እቶም ኣዝዮም ዝወሓዱ እዮም፡ ካብ ሒደት ደርዘናት ዝበዝሕ’ውን ኣይኮነን” ክብል ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ይገልጽ ፔረ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ፕሮፌሰር ኣህጒራዊ ሕጊ ዝኾነ ስዒድ ማሕሙድ ምስታ ሬድዮ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ሽወደን ንስርዓት ሶርያ እኳ እንተኾነነት ምስቲ መንግስቲ ክልተኣዊ ዝርርብ ምጅማራ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን ኢሉ። በዚ መሰረት እቶም ዕቚባኦም ዝተነጽገ ሶርያውያን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር–ደማሽቆ ከም ዝባረሩ ክግበር ይከኣል እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com